ዋሽንግተን —
ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመንን ፈረንሳይን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ናብ ደማስቆ ተጓዒዙ ምስ ሓድሽ መራሕቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻብ ንሰላማዊ ምስግጋር ዘለዎም ተስፋ ገሊጹ። ምስ መራሒ ንኣሳድ ዝዓለዉ ሓይልታት ሓያት ታሕሪር ኣልሻም ዝዀነ ኣሕመድ ኣልሻርዓ ወይ ድማ በቲ ልሙድ ናይ ቃልሲ መጸውዒ ስሙ “ኣቡ-ጀላኒ” ከምኡ’ውን ካልኦት ኣካላት እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻቦም’ዮም ነዚ ትስፉው ዝሰየሙዎ ምብጻሕ ኣካፊሎም።
ላዕለዎት ሰብ-መዚ ፈረንሳን ጀርመንን ንሃገራቶም ጥራይ ዘይኰነስ እንኮላይ ንደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ወኪሎም ስለ ዝገሹ፡ “ኣብ ወሳኒ መሰቀላዊ መንገዲ ዘላ ሶርያ ናብ ሰለማዊ ምስግጋር ከተምርሕን፡” ሃገራቶም ድማ ምስቲ ሓድሽ ምምሕዳር ንምትሕብባር ዘለዎ ድሌትን ገሊጾም።
ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ንፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መንበሪኡ ከምዘመዛበለ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ልዕሊ 800-ሽሕ ካብኣቶም ጥራይ ኣብ ጀርመን ዝተዓቝቡ’ዮም።
ቅጥዒ