ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ኣብ ምክልኻል ካብ ኢትዮጵያ ተመክሮ ምውሳድ ይክኣል እዩ ይብሉ ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ


ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዝኽሰት ድርቅን ስዒቡ ዝመፅእ ፈተናን ብሃገራትን መንግስታትን ሕብረት ኣውሮፓ ዝለዓለ ግንዛበ ንኽህሊ ድልየት ከምዘሎ ተገሊፁ።ሓደጋ ኣብ ምክልኻል ካብ ኢትዮጵያ ተመክሮ ምውሳድ ከምዝክኣል’ውን ተሓቢሩ።

ምሕያል ሓደጋ ናይ ምምካት ዓቕሚ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሕብረት ኣውሮፖ ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓውደ መፅናዕቲ ተጀሚሩ።

ኣየርላንድ ስልጣን ፕሬዝዳንትነት ሕብረት ኣውሮፓ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሒዛ ኣብዝእትፀንሐሉ እዋን ካብ መንጎ ክስርሑ እትደልዮም ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምሉእ ዓለም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ማሕበረሰባት ወይ’ውን ውልቀሰባት ሓደጋ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምድንፋዕ እዩ ክብሉ ኣብ ኣይሪሽ ኤይድ ምኽትል ዳይረክተር ክፍሊ ሓደጋን ዳግመ ሕውየትን ዴቪድ ብሩክ ተዛሪቦም።ብዛዕባ ምድንፋሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ብራስለስ ሰፊሕ ምምኽኻር ክካየድ እዩ’ውን ኢሎም።

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝተደለየሉ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብነት እዮም ዝብል እምነት ስለዘሎ እዩ ኢሎም ብሩክ።

ምስ ኣቀማምጣ መሬትን ኩነታት ኣየርን ኢትዮጵያን ብምትእስሳር ብዛዕባ ዘለው ብድሆታትን ተደጋገምቲ ቅልውላዋትን ዝለዓለ ግንዛበ ንምፍጣር ድልየት ከምዘሎ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ መደበኛ ወኪል ኣየርላንድ ዝኾና ቲራ ኦብራይን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተኸሲቱ ዝነበረ ድርቅን ኢትዮጵያ ዝሓዘትሉ ኣገባብን እንትገልፃ እቲ ድርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ ሽግር ዝክሓድኳ እንተዘይኮነ ዓፀቦ ንኸይኽሰት ስለዝገበረት ኣብዚ ሃገር ዝሓሸ ስራሕ ይስራሕ ከምዝነበረ ፅቡቕ ኣብነት እዩ ኢለን።

ኣብ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋ ህዝባዊ ሰላምን ምብራቕ፣ምዕራብን ደቡብን ኣፍሪካ ኪስ ዊትስ ብሮድ ግን ኢትዮጵያ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣደንፊዓ እያ ዝብል እምነት ስለዘይበለይ ካብ ኢትዮጵያ ተመክሮ ንምውሳድ እዋኑ ዝበፅሐ ኣይመስለንን ኢሎም።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ንምክፋልን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንምፍፃምን ካብ ዝተፈላልየ 20 ሃገራት ኣውሮፓ ዝመፁ ልኡኻት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።
XS
SM
MD
LG