ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነብሱ ዝከላኸለሉ መንገዲ ይእምም


ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኡርሱላ ቫን ደርሊን
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኡርሱላ ቫን ደርሊን

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸንሖ ዝምድናን ናይ ምክልኻል ውዕላትን ዳግም ክምርምሮ ከምዝኾነ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ እቲ ሕብረት ነብሱ ንምክልኻልን ሓይሉ ንምድንፋዕን ክሳብ ናይ 840 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክስልዕ ሓሳባት ይቐርብ ኣሎ። እቲ 27 ሃገራት ዝሓዘ ሕብረት ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ተራኺቡ፡ ኣባላት ሃገራት ንወታሃደራዊ መዓላ ዝውዕል ባጀት ከሐይላ ክዛተ ምዃኑ ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽን ኡርሱላ ቫን ደርሊን ገሊጻ።

ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ንሓያሎ ዓመታት ምክልኻለን ኣብ ኣመሪካን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ክምርኰስ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝቕጽላ ኣርባዕተ ዓመታት ንዝበዝሕ እቲ ተደልዩ ዘሎ መጠን ከተኣኻኽለኦ ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽን ጸዊዓ።

ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንልዝብ ሩስያን ዩክሬንን ከም ዝድግፎ ይገለጽ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ክርክር ዩክሬን ዝለዓለ ኢድ ክህሉዋ ተስፋ ይገብር።

ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝወስዶም ተበግሶታት ዝበዝሕ ምሉእ ድምጺ ኣባላቱ እኳ እንተለዎ፡ ካብ ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ኣትሒዙ ግን ብሕልፊ ካብ ሃንጋሪ ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ ዝደሓረ መደብ ግን ሃንጋሪ ንመደብ እቲ ደምበ ዝድግፍ መርገጺ ክትወስድ ምዃና ኣመታት ኣለዉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG