ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ፣ ሕ/ኣፍሪቃን ኣመሪካ ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ኲናት ሱዳንን ንምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ምዃኑ የጠንቅቑ


ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ኡጋንዳ
ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ኡጋንዳ

ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኵናት ሱዳንን ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን ንምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ እዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ከብቅዕ ፀዊዖም።

ድሕሪ ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ዝተዛረቡ ወኪላት እዞም ኣካላት ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ኲናት ሱዳንን ንምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ኣውድቑዎ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኵናት ሱዳን ንሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ብምምዝባል 19-ሚሊዮን ቆልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ክቦኽሩ ገይሩዎም ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክል ሃመር ኣብ ሱዳን ነንሕድሕዶም ይዋግኡ ዘለው ጉጅለታት ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት ዝተቐመጠ ግዴታታት ከኽብሩን ውግእ ጠጠው ንምባል ኣብ ቀረባ ዝኣተውዎ መፅብዓ ክፍፅሙን ፀዊዖም።

ሃመር"ውግእ ጠጠው ከብሉዎን ናይ ህዝቦም ድልየታት ክነማልእ ኢና ኢሎም ምስ ዝገለፁዎን ዝሰማማዕ ስጉምቲ ክወስዱ እዋኑ ሕጂ እዩ" ኢሎም ።

ሃመር: መራሒ ስራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ቡርሓንን ኣዛዚ ሓይልታት ህፁፅ ድጋፍ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ(ሕሜቲ)ን 9 ታሕሳስ 2023 ኢጋድ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ብዘይ-ቅድመ ኩነት ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ዝኣተውዎ መፅብዓ ከኽብሩ ኣለዎም ኢሎም ።

ንሶም ብምውሳኽኽ "እዚ ግጭት ቀፂሉ ሱዳን እንተተበቲና ተሓተቲ ክኾኑ እዮም’’ ኢሎም ።

ብቐረባ ክትትል ዝግበረሉ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ድማ ኣብ ሱዳን ወኪል ሕቡራት ሃገራት ራምታነ ላማምራ እዮም።

"ድምፂ ብረት ስቕ ክብል ኣለዎ’’ ዝበሉ ራምታነ ላማምራ እቲ ኲናት ንምርግጋእ እቲ ዞባን ልዕሊኡን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

ትማሊ ሓሙስ መንግስቲ ሱዳን ኢጋድ ንሕሜቲ ናብ ዋዕልኡ ብምዕዳሙ ንልኡላውነት ሱዳን ጥሒሱ ክብል ብምኽሳስ ምስቲ ደንበ ዘለዎ ርክብ ጠጠው ኣቢሉዎ ኣሎ። ሕሜቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ካምፓላ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ'ኳ እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምላሽ ኣይሃበን።

ቶኽሲ ጠጠው ክብል ፃውዕታት ከም ብሓድሽ ይቐርብ ኣብ ዘለሉ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ሚያዚያ ጀሚሩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ዓለምለኸ ሕግታትን ክምርምር ስልጣን ዝተውሃቦ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣናዳዪ ሓቂ ኣብዚ ሰሙን ስርሑ ምጅማሩ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ልኡኽ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ብሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቕልጡፍ ወሃቢ ደገፍን ከምኡ እውን ካልኦት ተዋጋእቲ ወገናትን ተፈፂሞም ዝበሃሉ መግሃስትታት ምርመራ ይካይድ ኣሎ ኢሉ። እቲ ምርመራ ንፆታዊ ዓመፅን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ንዝተፈፀሙ ካልኦት ዓመፃትን ፍሉይ ጠመተ ክገብር እዩ ኢሉ።

ንሶማል ብዝምልከት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ንሶማሊላንድ ዝሓውስ ንናይታ ሃገር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣፍልጦ ንህብ ኢና ኢሎም።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ 1 ጥሪ 2024 ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ ወጥሪ ሓይሉ'ሎ። ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ሶማሊላንድ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትህባ ትፅቢት ትገብር።

ኣመሪካ እቲ ወጥሪ ኣንፃር ምስ ኣል ቃይዳ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ሶማልን ንዝዋጋእ ዓለምለኸ ድጋፍ ዘለዎ ፃዕርታት ከዳኽሞ እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ሃመር ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍልይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒተ ወብነር ብወገና እዞም ክልተ ቅልውላዋት 10% ናይ ዓለም ናይ ባሕሪ መጎዓዚ ፅዕነት ምስ ዝኾነ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ርክብ ኣለዎም ኢላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG