ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግራዝያኒ ዘኽብር ሓወልቲ ጣልያን ተቃውሞ የጋጥሞ‘ሎ


Rodolfo Graziani
Rodolfo Graziani
ኣብ ዓዲ ጣልያን ንዝኽሪ ግራዝያኒ ዝተኸፈተ መናፈሻ፣ ብመብዛሕትኡ ጣልያናዊ ድጋፍ ከምዘይብሉ ባዓል-ስልጣን ኣውሮዻዊ ሕብረት ገሊፆም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወኪል ኣውሮዻዊ ሕብረት ሚስተር ጋርይ ኲንሲ፣ እቲ ኣብ ጣልያን ንዝኽሪ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኢትዮዽያውያን ዝጨፍጨፈ ግራዝያኒ ሓወልቲ ምቋም ንርክብ ክልቲኦም ወገናት‘ዶ ኣየበላሽዎን ዝብል ሕቶ ቀሪብሎም ዝሃብዎ መልሲ ኣሎ፣

ሚስተር ጋርይ“እታ ከተማ ንዘሕለፈቶ ውሳነ ኣመልኪቶም ብርክት ዝበሉ ጣልያናውያን ተቃውሞኦም ኣቃሊሖም‘ዮም።ኣነ ብወገነይ፣ፈፂመ ኣይሰማማዕን።ከምዝበልክዎ ግን፣ናይ ውሑዳት ኣተሓሳስባ ማዕረ ኣተሓሳስባ ዝበዝሑ ገይርና ክንወስዶ ኣይግባእን ባሃላይ‘የ” ኢሎም።

ኣምባሳደር ኲንሲ ጆንስ ወሲኾም፣እዚ ንሶም ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ናይ ውልቆም‘ምበር፣ሪኢቶ ኣውሮዻዊ ሕብረት ኣይኮነን።እቲ ኣጀንዳ ንባዕሉ ጉዳይ ሓንቲ ኣባል ሃገርን ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝተኸሰተን‘ዩ ኢሎም። ኣተሓሒዞም፣ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ዝሰላሰል ሓባራዊ ኣኼባ መራሕቲ ክልቲኡ ኣህጉራት ግና፣ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ከምዘይዘራረብ ኣረጋጊፆም።

ንሶም ወሲኾም”ኣብ ዝተኸሰትሉ ይኸሰቱ ብዘየግድስ፣ኩሎም ዓይነታት ዘርኣዊነትን ፅልኣትን ብዘይጥርጥር ንኹንኖም ኢና።ልዝባትና‘ውን ኣብ‘ዞም ዘይሃነፅቲ ሪኢቶታት ኣየማእክሉን‘ዮም።ኣብ ክንድኡ ልዝብና ኣብ ንርበሐሎም ክልተኣዊ ዛዕባታት እዮም ከማእክሉ”ኢሎም።

ገለ ተንተንቲ ኣውሮዻ ንርክብ ምስ ኣፍሪቃ ዝጀመረቶ፣ካብ ቻይና ውድድር ስለዘጓነፋ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣውሮዻዊ ሕብረት ጋርይ ኲንስ ግና፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኣህጉራት ዝተጀመረ ርክብ ክግምገም‘ዩ።ኣብ‘ዚ ተቀያያሪ ዓለም‘ዚ፣ርክብ ክልቲኤን ጎረባብቲ ኣህጉራት ክቅፅል‘ዩ ኢሎም ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG