ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣፍሪቃን ሕ/ኣውሮጳን ንኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መፍትሒ ንምንዳይ ዝካየድ ጻዕርታት ንምሕያል ተሪር መርገጺ ከምዘለወን ኣፍሊጠን


ንኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መፍትሒ ንምንዳይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ንምሕያል ተሪር መርገጺ ከምዘለወን ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ፈረደሪካ ሞርገንኒን ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣሚራ ኢል ፋዲል ገሊጸን።

ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ፈረደሪካ ሞርገንኒን ነዚ ዝገለጻ ኣብ ከተማ ብራስለስ ቤልጁም ዝኻየድ ዘሎ አኼባ ዓማሚ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራት እዩ።

ንሰን ብተወሳኺ ቀንዲ ዕላማ እቲ ዓማሚ ሓይሊ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ንምዕጻው ምዃኑ ገሊጸን።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘጋጠመ ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ዜጋታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ኣውሮጳ፡ ንሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ምንባሩ ይዝከር። አባል ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾና ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ጾር ሓተቲ ዑቕባ ምክፋል ዝብል ሓሳብ ገና ኣብ ስምምዕ ከምዘይበጽሑ’ውን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀንዲ መንገዲ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ብሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ምቁራጽ’ዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ የኻይዱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብቲ ጉዕዞ ህይወቶም ይስእኑ። ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ዝተወስደ ጻዕርታት ነቲ ቁጽሪ ናብ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት እንተጉድለ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ንኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት አጋዲዱ’ዩ ይብሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብመደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዝቐረበ መደበ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ስደተኛታት ብጊልያነት ክሸጡ የርእይ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣስታት 2,500 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተአኻከቡ ነበርቲ ከተማ ብራስልስ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ዓማሚ ሓይሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።

እቲ ተቓውሞ መንግስታት ሃገራት ኣውሮጳን ዝተፈላለዩ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ጥራይ ዘይኮነ ሰባት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ከይፍጽሙ መፍትሒ ከናድዩ ኣለዎም ዝብል እዩ ኔሩ።

ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 100 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ትርከብ ጋርቡሊ ዝተባህለ ቦታ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው ነቶም ስደተኛታት ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝሃበ ትካል ዓለምለኸ ኮርፐረሽን ሕክምና እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ዝተዋህቦም ናይ ሕክምና ሓገዝ ናብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ከምተወስዱ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG