ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን 'ብደውታ መስርሕ ትግባረ ብይን ዶብ' ተሻቒልና ይብሉ


Ethiopia & Eritrea
Ethiopia & Eritrea

ብስም ኣውሮጳዊ ሕብረት መግለጺ ዝዘርጋሓ ላዕለወይቲ ባዓል ስልጣን ኤፍ ሞግረኒ ‘መበል 15 ዓመት ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ንዝክረሉ እዋን ‘ደውታ ትግባረ’ቲ ብይን ንዞባዊ ጸጥታ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ’ ኢለን።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘እቲ ምስሕሓብ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፣ ሓደጋኡ ካብ’ቲ ዞባ ሓሊፉ ንዓለም-ለኸ ሰላምን ህድኣትን ከምኡውን ንዓለም-ለኸ ንግዳት፣ ምትሕግጋዛትን ምዕባለን ከተዓናቅፍ ከምዝኽእል’ ሓቢሩ’ሎ።

‘ክልቲኤን ሃገራት ንብይን ኮምሽን ዶብ ተግቢረን ማለት ተረባሕቲ ይኾና ኣለዋ ማለት’ዩ፣ ብመሰረት’ዚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብመሰረት ብይን እቲ ኮምሽን ዶበን ክጥርራ ከምኡውን ሃናጺን ሰላማዊን ርክብ ክፈጥራን’ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ብምኽንያት መበል 15 ዓመት ብይን ኮምሽን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ሪኢቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ‘ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ብይን ተግቢረን ናብ ንቡር ሰላም ንክምለሳ ጸዊዑ’።

መበል 15 ዓመት ብይን ኮምሽን ዶብ ከምዝበጻሕና ይርዳኣና’ዩ ዝበለ ሚስተር ስቴፋኒ ዩሪክ ‘ኣብ 2000 ዓም ዝተኸትመ ውዕል ኣልጀርስ ክሳብ ሎሚ ዘይምትግባሩን ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ዘይምምላሱን ዘጣዕስ’ዩ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓገዝ ሕ/ሃን ካልኦትን፣ ነቲ ውዕል ክትግብራን፣ መሰረት ዝተማለአን ነባራይን ሰላም ከንጽፋን ንጽውዕ’ ኢሉ።

ሚስተር ዩሪክ ኣብ ዘረብኡ ‘ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልክም ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምኻኑ ምጥቃስ ኣድላዪ’ዩ፣ ኣብ ምዕዋት’ዚ ድማ ትግባረ ውዕላት ክጥቀስ ኣለዎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG