ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ሱዳን ዜጋታታ ተቓውሞ ከካይዱ ከተፍቅድ ጸዊዑ


ዕዳጋ ኣትክልቲ ኣብ ከተማ ካርቱም- ፋይል
ዕዳጋ ኣትክልቲ ኣብ ከተማ ካርቱም- ፋይል

ሕብረት ኣውሮጳ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ናህሪ ዋጋ መግቢ ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንዘካየዱ ዜጋታታ ፍቓድ ክትህብ ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታትን ብፖሊስ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምእሳር ፖለቲካዊ መራሕትን ብቕርበት ይከታተልዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን: ናህሪ ዋጋ ባኒን ሓሩጭን ዘቖጥዖም ብተማሃሮን ካልኦት ዜጋታት እታ ሃገርን ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓሓሊፍ ኣብ በበይኑ ክፋላት እታ ሃገር ይርአ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።

ፖሊስ እታ ሃገር ዝበዝሑ ብናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ እታ ሃገር ንዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶምን፡ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድማ ሓደ ተማሃራይ ምሟቱ ሓቢሩ ኣሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኩነታት ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

“ ሰባት ሓሳቦም ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ክህለው ኣገዳሲ’ዪ ኢልና ኢና ንኣምን። እዚ ድማ ነጻነት መራኸቢ ብዙሃንን ብንጻነት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምስታፍን ዘጠቓልል’ዩ” ዝበለ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ብተመሳሳሊ ሰባት ነዚ መሰረታዊ መሰሎም ብዝምልከት ዘቕርብዎ ሕቶ ብሰላማዊ መንገዲ ከካይዱ ንጽውዕ ኢሉ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ሱዳን ነቲ ተቓውሞታት ጸዊዖም እዮም ንዝበልዎም አባላት ናይ ተቓውሞ ፓርቲታት ከምዝአሰሩን አባላት ጸጥታ ድማ ኣብታ ሃገር ንዝዝርግሑ ሕትመታት ከምዝወረሱ ኤ ኤፍ ፒ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ተቓውሞታት ዝተላዕለ ዋጋ 50 ኪሎ ሓሩጭ ካብ 167 ናብ 450 ናይ ሱዳን ፓውንድ ብምውሳኹ እዩ። ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣብ 2013ን 2016ን ተላዒሎም ምንባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG