ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ካብ ሊብያ ደው ንምባል ዝሕግዝ መደብ ተሓንጺጹ


ሕብረት ኣውሮጳን ጣልያን ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ቅድሚ ምብጋሶም ደው ንምባል ዝሕግዝ መደብ ምህንጻጾም ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዋሕዚ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ፍልስተኛታትን ናብ ገማግም ሊብያ ክረአ ጸኒሑ’ዩ። እዞም ነዚ ጉዕዞ ዝፍጽሙ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ማእኸላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ጉዕዞ ይጅምሩ፡ ብትካላት ህይወት ኣድህን ሕብረት ኣውሮጳ ወይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ድሒሮም ናብ ጣልያን ይኸዱ። ጣልያን ግን በዚ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝአትው ስደተኛታት ፍልሰተኛታትን ዜጋታት ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉዕዞ ማእኸላይ ባሕሪ ከይጀመሩ ደው ዝብልሉ መንገዲ ተዳልው።

እዞም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ኤርትራ፡ጊኒ፡ሰኔጋል፡ማሊ፡ናይጀርያን ዝአመሰሉ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብምብጋስ ብሊብያ ኣቢሎም ማእኸላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ይበጽሑ። ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንጉዕዞ ብቑዓት ብዘይኾና ነአሽቱ ጀላቡ ይብገሱ፡ ኣብዚ ጉዕዞ ብትካላት ህይወት ኣድሕን ክድሕኑ ተስፋ ይገብሩ፡ ዕድለኛታት ዝኾኑ ድማ ሓድሽ ህይወት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ይጅምሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2016 ልዕሊ 180,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብዘይመንግስታዊ ትካላትን ስርሒት ሶፍያን ዝደሓኑ ጣልያን ምእታዎም ይገልጽ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2017 ድማ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ካልኦት 27,000 ጣልያን ምብጽሖም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ወርሒ የካቲት ሕብረት ኣውሮጳ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ንማያዊ ዶባት'ታ ሃገር ምኽልኻል ከሐይልን ኣድላይ መሳርሒ ንምዕጣቕን ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ሊብያ ሂቡ። ዕላማ እዚ ሓገዝ ሰባት ናብ ገማግም እታ ሃገር ካብ ምብጻሕን ጉዕዞ ማእኸላይ ባሕሪ ቅድሚ ምጅማሮም ደው ንምባል’ዩ። ከም አካል’ዚ ተበግሶ ሊብያ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ብምግፋፍ ክሳብ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኣብ ሓደ ናይ ማእሰርቲ ቦታ ክትእክብ ጀሚራ’ላ።

ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኮሚኒኬሽን በዓል ስልጣን ዊልያም ስፒንድለር ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብል።

“እዚ ከምይ ዓይነት መስርሕ ዘምጽኦ ጸገም ንሰባት አማራጺ ዝህብ ብዘይምኳኑ’ዩ።እዞም ሰባት ብምቅጻል እንታይ እዮም ክገብሩ? ገለ ካብዞም ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይክእሉን'ዮም ምክንያቱ እንተተመሊሶም ዝገጥሞም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስቓይን ኣብ ገለ’ውን ሞት’ዩ።”

ብካልእ ወገን ናብ ሊብያ ዝጉዓዙ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ይወድቑ፡ብዙሓት ካብኦም ድማ ከምዝሽየጡ ዝተፈላለዩ ሪፖርት ይሕብሩ።

እቶም ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ብተወሳኺ ካብ ስድራ እዞም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ገንዘብ ይሓቱ።

እዚ ብምትሕብባር ጣልያንን ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከይበጽሑ ደው ምባል ዝብል ሓሳብ ብዝምልከት ርእይትኦም ዝሃቡ ኣብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዳይሬክተር ክፍሊ ሰሜን ኣፍሪቃ ኦትማን በልባይሲ መጀመርያ ቅድሚ ንዶባት ምቁጽጻር ምዝራብና እቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክጸንሕ ኣለዎ። ሊብያ ልዕሊ 1,200 ኪ.ሜ ገማግም ባሕሪ ንማእኸላይ ባሕሪ ኣለዋ ነዚ ብቀሊሉ ምቁጽጻር ዝኸአል ኣይመስለንን።” ብምባል ሊብያ ብተወሳኺ ምስ ሽዱሽተ ሃገራት ዘዋስን ዶባት ከምዘለዋ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG