ዋሽንግተን —
ናይቲ ሕብረት ፍሉይ ልኡኽ ስታቭሮስ ላም ብሪኒዲስ ዝምራሕ’ቲ ጉጅለ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝተኻየደሉ ምይይጣት ምኽባር ላዕለዋይነት ሕጊ ኩነታት እሱራትን መንግስቲ ኣብ ዝሓዞ አንፈት ልምዓት ተሳትፎን ተረባሕነትን ዜጋታት ትኹረት ከምዝግበር ተገሊጹ’ሎ።
እቲ ሕብረት ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ መሰል ዜጋታት ኩነታት ምሕደራን ንመንእሰያት ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ኣብ ጉዳይ ፍልሰትን ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ዝኸአለሉ መዳያት ዘተኾረ ምይይጥ ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ መግለጺ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስምዕ ይኽኣል።