ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 299 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ምሓዞም ገሊጾም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 299 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ምብራቃዊ ክፋል ከተማ ትሪፖሊ ትማሊ ሶሉስ ምሓዞም ሓቢሮም።

እቶም መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ጥቓ ከተማ ሲልተን ከምዝተታሕዙ ተፈሊጡ’ሎ። እዞም 15 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን 25 ደቂ ኣንስትዮ ዝርኸብዎም ስደተኛታት ናብ ኣብ ከተማ ታጁራ ዝርኸብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ናብ ኣውሮጳ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ስደተኛታት ምኳኑ ዝፍለጥ እንተኾነ ዕጡቓት ሚሊሻታት ነቲ ቀንዲ መደበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝኾነት ከተማ ሳባርታ ኣብ ዝተቆጻጸርሉ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ካብ ሊብያ ዝብገሱ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይፍለጥ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ብዝግበረሉ ዘሎ ጸቕጢ ስደተኛታት ኣብ ዓለምለኸ ማያት ከይበጽሑ ንምሓዝ ዘካይዶ ጻዕርታት ኣሐይሉ ይሰርሕ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መጻኢ በጀቱ ንኣፍሪቃ ዝውዕል 47 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ከምዝሓለነ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘፍለጡ ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኣንቶንዮ ታጃኒ እዮም።

ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ንህጹጽ ጊዜ ዝወጽእ ገንዘብ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንከይኣትው ንምግታእ ኣብ ከመይ ዝበለ መዓላ ከምዘውዕሎ ከብርህ ተሓቲቱ’ሎ።

ኦክስፋም ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ግብረ ሰናይ ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ኣብ 2015 ዓ.ም ናይቲ ሕብረት ናይ ሕጹጽ እዋን ትራስት ፋንድ ኣብ ከመይ መዓላ ከምዝወዓለ ብግልጽነት ክርኢ ዝሓትት ጸብጻብ ከውጽእ’ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ክሳብ ጥቅምቲ 24,2017 ልዕሊ 18,800 ስደተኛታት ምትሓዞም ካልኦት ኣስታት 111,000 ድማ ኢጣልያ ምእታዎም ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG