ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ ስደተኛታት ውሽጣዊ ክፍሊ ሰብነቶም ምሻጥ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይፍፀም'ዩ ተባሂሉ


ብዘይስሩዕ መንገዲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሊብያን የመንን ድሕሪ ምኻዶም ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ብዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ፀገም ዝወደቁ ግን ኽአ ገለ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቃደኛታት ዝኾኑ ይምለሱ ከም ዘለው ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ቤት-ፅሕፈት ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ኣቶ ታገል ሰሎሞን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝበልዎ ካብ ሊብያ 120 ዝኾኑ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ብፍቃዶም ንምምላስ ኣድላይ ስራሕ ይስራሕ'ሎ ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 2-ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ የመን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለስ'ውን ገሊፆም።

ኣተሓሒዞም ብዘይስሩዕ መንገዲ ዝወፁ ኢትዮጵያውያን ናብ ማእኸላይ ምብራቅ ኣብ ዘምርሕሉ ነዊሕ በረኻ ሰፊሕ ባሕሪ ኣቃሪፆም ብምኻኑ ብዙሓት ኣብ መንገዲ ከምዝሞቱን ኣብኡ ምስ በፅሑ እንተኾነ ብዙሕ ግፍዒ ከምዝፍፀሞምን ፡ ሓደ ካብቲ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ገለ ውሽጣዊ ክፍሊ ሰብነቶም ዝፍፀም ንግዲ'ዩ ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG