ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥምረት ተቃወምቲ ኢትዮጵያ መድረኽ ኢህወደግ ዝዳጎኖም እሱራት ፖሎቲካ ይፍታሕ ክብል ፀዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ጥምረት 6 ተቃወምቲ ፓርቲታት ዝኾነ መድረኽ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ብኽሲ ሽብርተኝነት ዝተአስሩ መራሕቱን ኣባላቱን ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ሓቲቱ።

መድረኽ ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥምየት ጥልቀቱን ስፍሓቱን ደይ መደይ ኢሉ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓቢእዎ ክብል ገሊፁ።

መድረኽ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂኡ ኣብ ሓደ ሓደ ቀበሌታት ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት አለው ኢሉ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ዘቃልዑ ናይ አመራርሓ ኣባላቱ ብህዝቢ ንኽፅልኡ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ይካየድ'ሎ ክብል መድረኽ ይገልፅ።

ኣብ መወዳእታ መድረኽ " ኢህወደግ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝዳጎኖም ኣባላት አመራርሓን ኣባላትን ካልኦት ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ብዘይ - ገለ ቅድመ - ኹነት ክፈትሑ ፣ ኢሀወደግን መንግስቲን ፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ደርቂን ጥምየትን መጠኑ ሓቢኡ ሓጋዚ ንምምሳል ዝገብሮ ናይ ምስሉይነት ፃዕሪ ጠጠው አቢሉ እቲ ኽውን ብዘ - ገለ ሕብእብእ ንሕብረተሰብ ዓለም ግልፂ ክገብር ንፅውዕ" ኢሉ'ሎ መድረኽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከምዝብሎ ብሰንኪ ደርቂ ዝተኸስተ ፀገም መንግስቲ ዝርእዮ መድረኽ ካብ ዝብሎ ብዝተፈልየ መንገዲ'ዩ ክብል መለስካቸው ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG