ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቀጠባዊ ማዕቀብ ንከንብር ኢትዮጵያ ፀዊዓ


Ethiopia & Eritrea
Ethiopia & Eritrea

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁጠባዊ ማዕቀብ ከንብር ኣለዎ ኢሎም ምክትል ቀ/ሚንስትርን ወፃኢ ሚኒስትርን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለ-ማርያም ደሳለኝ።ኢትዮዽያን ጎረባብታን ነቲ ሕቶ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ከምዘቅረቡ‘ውን ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናይ ኣፅዋር ማዕቀብ ዘንበረ ብመሰረት ሕቶ ኢትዮዽያ ምኻኑ‘ውን ዝዝከር‘ዩ።

ኤርትራ ኣብ እዋን ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ንክትፍፅም ወጢና ከምዝነበረት ኢትዮዽያ ካብ ትገልፅ ወሪሑ‘ሎ።እዚ ክሲ‘ዚ ናይ ኢትዮዽያ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሕ/ሃ እምነት‘ውን ኮይኑ‘ሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ቦምብ ክፍፀም ተወጢኑ ከምዝነበረ ሕ/ሃ ኣብ‘ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለፀ ዝዝከር‘ዩ።ኣቶ ሃይለ-ማርያም ደሳለኝ፣እዚ ውፅኢት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኢትዮዽያ‘ዩ ይብሉ።

”ቅድሚ ኩሉ ውፅኢት ስራሕቲ ዲፕሎማሲና‘ዩ ዝበልናሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኩሉ ወገን ነቲ ሓበሬታ ንክረኽቦ ፅዒርና፣ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንከረጋግፁ‘ውን ገይርና ኢና።ስለዚ ዘየጠራጥር ኮይኑ ስለዝተረኽበ እቲ ሪፖርት ተሰኒዱ‘ሎ።ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ፣ሚስጢራዊ ገይርካ ምሓዝ ረብሓ ስለዘይብሉ፣ከምኡ ዝዓይነቱ እኩይ ግብሪ ክድገም የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፣መቅፃዕቲን ትምህርቲን ዝረኽብሉ ንክከውን ናይ ዝሰራሕናዮ መደብ ውፅኢት‘ዩ” ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም።

ምስ ቪኦኤ ቃለ-ምልልስ ዘካየዱ ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርየም ደሳለኝ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ቁጠባ ክውሰን ከምዝግባእ ኣተዘኻኺሮም።

ንሶም ኣብ ዘረበኦም ”ኣብ‘ዚ ቀረባ ከምዝሰማዕክምዎ፣ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተነበረና ማዕቀብ፣ማዕቀብ ኣፅዋር‘ዩ፣እኹል ኣፅዋር ስለዘለና ግና ኣይተተንከፍናን ኢሎም ተጃሂሮም‘ዮም።ቁጠባዊ ማዕቀብ ስለዘይተነበረልና፣ እናሃወኽና ክንቅፅል ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ‘ዩ ዘለዎም።ስለዚ ብናትና ገምጋም፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቁጠባዊ ማዕቀብ ክትግብር ኣለዎ።እዚ ገምጋም‘ዚ ናይ ኢትዮዽያ ጥራሕ ኣይኮነን።እዚ መንግስቲ‘ዚ ንኡጋንዳ፣ኬንያ፣ደቡብ ሱዳን፣ሶማልያ፣ጂቡቲን ኢትዮዽያ ይህውኽ ስለዘሎ፣ናይ ህውከት ጭዋድኡ ነልምሶ ኢና ንብል ዘለና።ኣብ‘ዘን ዝቅፅላ ሒደት ሰሙናት ሓያል ስራሕ ፈፂምና፣እቲ ማዕቀብ ክውሰን‘ዩ ዝብል እምነት ኣለና” ይብሉ እቶም ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ።

ብካልእ ወገን፣ኤርትራ ቃፊር ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ (ሞኒተሪንግ ግሩፕ) ንዘውፀኦ ከሳሲ ሰነድ ከምዘይትቅበሎ ኤርትራ ኣፍሊጣ‘ላ።

XS
SM
MD
LG