ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳያስፖራ ኢትዮዽያውያን ብበዝሒ ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለው ተባሂሉ


ETHIOPIA
ETHIOPIA
መንእሰያት ኣባላት ኢትዮጵያዊያን ዳይስፖራ ብበዝሒ ናብ ትውልዲ ዓዶም እናተመለሱ ይርከቡ።መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እዞም ተመለስቲ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝህልዎ ትርጉም ነዚ ብታሕጓስ ይቕበሎ’ሎ።
መብዛሕቲኦም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን ሰለስተ ሚሊዮን ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ይነብሩ።ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ግን ኣሽሓት ሙያተኛታት መናእሰይ ኣለሻ ናይ ንግዲ ዕድላት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣለው።
ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ዳይስፖራ ኣቶ ፋይሰል ዓሊዪ ኢብራሂም ብቶም ተመለስቲ ዝካየድ ኢንቨስትመንት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።ብምስዓብ ከምዚ ይብሉ ‘’ናይ ልምዓት መሻርኽትና እዮም።የድልዩና እዮም፤ንሳቶም እውን ይደልዩና እዮም።’’
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት የመዝግባ ካብዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።ነፃ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት ዝህባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ መብዛሕቲአን ካፌታት ኣብ ላፕቶፕ ኮምፒተሮም ብዝሰርሑ ተመለስቲ መንእሰይ መሊኦም ይርአዩ።
ብዙሓት ተመልስቲ ድሮ ሓደሽቲ ስራሕቲ ንግዲ ጀሚሮም ኣለው።ናብ ሃገሮም ናይ ዝተመለሱ ሰባት መጠን ኢንቨስትመንት 1.1 ቢሊዮን ዶላር ይግመት።እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ልኢኾም ናይ ዝረኸበቶ 1.4 ቢልዮን ዶላር ዝፅጋዕ እዩ።
ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ዳያስፖራ ንዉራይ ኢንቨስትመንት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ተመለስቲ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ከምዝተዋፈሩ እቶም ዳይረክተር ዳያስፖራ ይገልፁ።
መንግስቲ ናብራ ተመልስቲ ዳያስፖራ ቀሊል ንምግባር ብንቕሓት ይሰርሕ ከምዘሎ ፌይሰል ሓቢሮም ኣለው።
እቲ ፈላማይ ረቂቕ ፖሊሲ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ኣብዞም ዝቕፅሉ ሰሙናት ንኽፀድቕ ናብ ፌደራል መንግስቲ ክልኣኽ እዩ።
XS
SM
MD
LG