ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅኑዕ ፖሊሲ ክትክተል ዝጽውዕ ናይ ኢትዮጵያውያን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያውያንን፡ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ኣፍደገ-ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ባይቶ ዩናይትድ ስቴትስን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ኔሮም።

“ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ መቕተልቲ ብገለልተኛ ወገን ይጻረ” ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ`ቶም ሰልፈኛታት፡ “ብርእሱ ዘይተኣማመን ምምሕዳር ንሃገር ብሽበራ`ዩ ዝመርሕ” ኢሎም።

“ንውልቀመለኽቲ ምድጋፍ ደው ይበል”` ዝበሉ`ቶም ኢትዮጵያውያን ፡ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ቅኑዕ ፖሊስ ክትክተል ንጽውዕ ኢሎም።

እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ፡ ብቐጥታ ናብ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን ደብዳቤ ምጽሓፎም`ውን ተፈሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG