ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝተሰደዱ ኢትዮዽያውያን ንምሕጋዝ ንሰርሕ ኣለና ይብሉ ባዓል-ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ


እቲ ፀገም ዝፍታሕ ውሽጣዊ ዓቅሚ ብምሕያል‘ዩ እውን ይብሉ

”ሰባት ኣብ ስዑድ ዓረብያ ተኣሲሮም ከምዘለው ንፈልጥ ኢና።ካብ የመንን ቦሳሶን ዝኸዱ ሰባት‘ዮም።ሓደ ዜጋ ዘሕልፎ ስቃይ፣ናይ ኩላትና ስቃይ‘ዩ። ከምጎሂ ይስመዓና‘ዩ።መንግስቲ‘ውን ኩሉ እቲ ዘድሊ ይገብር‘ዩ” ይብሉ ዳይረክተር ህዝባዊ ኮምኒኬሽን ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ።

ኣብ ሌባኖስ ናይ ስደተኛታት መሰል ይሕለው‘ዩ ኢልና ስለዘይንኣምን፣ ሰባት ናብ‘ታ ሃገር ንከይኸዱ ኣጊድና ኣለና‘ውን ኢሎም እቶም ዳይረክተር።

XS
SM
MD
LG