ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ደቡብ ኮሪያ ብምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ከምዘለዎም ገሊፆም


ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተልዓለላ ቻይና ቀፂላ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐትን ትጥቃዕን ዘላ ደቡብ ኮሪያ እያ።ክሳብ እዛ ሎማዕንቲ በቲ ቫይረስት ዝተትሓዙ 1,261 ሰባት ክኾኑ ከለው በዝሒ ዝሞቱ ድማ 12 እዮም።

ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብን ኤምባሲ ኢትዮጵያን በብእዋኑ ሓበሬታ ይለዋወጡ ከምዘለው ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።

ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ናይ ደቡብ ኮሪያ ከተማ ዴጆን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ዶክትሬት ድግሪ ፔትሮኬሚካል ሓጎስ ብርሃነ እቲ ሕማም ዴጉ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ብዝለዓለ ብርኪ ይጋፋሕ ስለዘሎ ዘተሓሳስብ እዩ ይብል።

ናይታ ሃገር መንግስቲ ሓበሬታ በብእዋኑ ከምዝዝርግሕ ብምግላፅ ሰባት ናብ ዝእከብሉ ምኻድ ከምዘይግባእ ከምዝምዓዱን ኩሉ ሰብ ድማ ናይ ኣፍንጫ መሸፈኒ ማስክ ገይሩ ከምዝንቀሳቐስን ይገልፅ።መሸጢ ምግቢ ኣይተዓፀወን ግን ንጥንቃቐ ክብሃል ናይ መመዝገቢ እዋን ዘናውሓ ዩኒቨስርታት ኣለው ኢሉ።

ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝገብር እንተዘይወሰነ እውን እቲ ኩነታት እናኸፍአ እንተድኣ ከይዱን በረራ እንተድኣ ሃሊዩን ናብ ሃገሩ ንምምላስ ከምዝደሊ ገሊፁሎ።

ራብዓይ ዓመት ተምሃራይ ኤሮስፔስን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣተሓባባሪ ሕብረት ተምሃሮን ሮቤል ኣስረስ ኣስታት 60 ተማሃሮ ይገልፅ።ኣብ ይነብሩላ ዘለው ከተማ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 16 ሰባት ከምዘለው ብምግላፅ ዘፍርሕ ኩነታት እዩ ዘሎ ይብል። ‘’ዘፍርሕ እዩ።እቲ ፅቡቕ ነገር ግን ብፍላይ ኣብ ከተማ ቢጆን እንርከብ ተምሃሮ ናይ ባዕልና ሕብረት ስለዘለና ሓበሬታ ከምፅእ ከሎ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክንገብር ከምዘለና ንዘራርብ ኢና’’ ይብል።

ብዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ መለዋወጢ ሜላታት ብምጥቃም ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ከምዝራኸቡ እውን ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሽፈራው ሽጉጤ በዝሒ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብርግፀኝነት ምዝራብ እንተዘይተኽኣለ እውን 500 ተማህሮ ሓዊሱ ኣስታት 1,100 ኢትዮጵያዊያን ኣለው ተባሂሉ ከምዝእመን ገሊፆም።

ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ብናይ ኤምባሲ ናይ ፌስቡክ ገፅና ኣቢልና ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮን ማሕበረሰብን መንግስቲ እታ ሃገር ዝህቦ ሓበሬታ ክከታተሉን ከመይ ዓይነት ፀገም ከጋጥሞም ከሎ ነቲ ኤምባሲ ከፍልጡ፣እቲ ኤምባሲ ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ኢና ኣፍሊጥና።ካብኡ ቀፂልና ኣብዚ ዝነብሩ ሓለፍቲ ኮሚኒቲ ኣለው።ንተምሃሮን ነበርትን ብሓባር ምስ ዘተሓባብር ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቲ ሕማም ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እንተኾይኑ ኢትዮጵያዊያን ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ስጉምቲ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ስርዓት ጥዕና ደቡብ ኮሪያ ኣዚዩ ኣድማዒ ስለዝኾነ ናብኡ ዘብፅሕ እምነት የብለይን፤እቲ ኩነታት ዝምጥን መረገፂ ክንሕዝ ኢና ኢሎም።

መሸፈኒ ገፅ ማስክ ብዝምልከት ክምልሱ ከለው መንግስቲ እታ ሃገር ብስፍሓት እናምረተን ዋጋ እውን እናተቖፃፀረን ስለዝኾነ እቲ ስግኣት ከምዝቕረፍ ብምሕባር ጸገም እንተሃሊዩ ግን እናተመኻኸርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኤምባሳደር ኢትዮጵያ ሽፈራው ሽጉጤ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:35 0:00


XS
SM
MD
LG