ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ይምለሱ'ለው ተባሂሉ


Ethiopians in Saudi
Ethiopians in Saudi
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታቱ እናተመልሱ ምኻኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ሎሚ መዓልቲ 434 ኢትዮጵያውያን ናብ አዲስ አበባ ከም ዝአተው ተገሊፁ'ሎ።

እዚ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቅፅልን ዝተመዝገቡ ዜጋታት ኩሎም ኣብ ሓፂር ጊዜ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወፃኡ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንመሓውራት ዜና መንግስቲ ገሊፆም።

ብመዳይ ዲፕሎማሲ'ውን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናቱ ኸአ ምስ ናይ ስዑዲ መዘናታቶም ይዘራረቡ ከም ዘለው መንግስቲ ኢትዮጵያ አፍሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ መግለፂ ዘውፅኡ ዘለው ተቃወምቲ ፖርቲታት ኢትዮጵያ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምታት ደንጉ'ዩ፣ ብዙሕ ስራሕ'ዉን ይጽበዮ'ሎ ይብሉ'ለዉ።

እዚ ከምዚሉ ኸሎ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ይበፅሕ ኣሎ ንበልዎ ግፍዒ ንምቅዋምን መንግስቲ ስዑዲ ጠጠው ንኸብሎ ንምሕታትን ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ሎሚ ድምፆም አስሚዖም።ለው።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።
TIG-Ethiopians-
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:31 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG