ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑዲ ዘለው ኢትዮጵያውያን ኣውያትና አስምዑልና ይብሉ'ለው


Saudi Arabia
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ብዘይፍቃድ ኣብታ ሃገር ይሰርሑ አለው ንዝበሎም ወፃእተኛታት ናብ ዝመፅሉ ንምምላስ ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝጀመረ ኣብቲ ወፍሪ ካብ 10 - ሽሕ ንላዕሊ ናይ ወፃኢ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ ክኸውን ከሎ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከም ዝተቀትለ ተፈሊጡ'ሎ።

ትካል ዜና ኣሲሴትድ ፕሬስ እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ዝተቀትለ ካብ ፖሊስ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ድሕሪ ምባል ክሳብ ሎሚ 16-ሽሕ ሰባት ተታሒዞም ተሲሮም ከም ዘለው ሓቢሩ'ሎ።

ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሌና ግፍዒ ይፍፀም'ሎ፣ ኣብ ስዑዲ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኩነታትና እንተገለፅናውን ሰማዒ ስኢና ብምባል አውያትና አስምዕልና ክብሉ መረረቶም ገሊፆም።

ኣብ ስዑዲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘፈር ዳያስፖራ ዝሰርሑ አሕመድ ዝተባህሉ በዓል ስልጣን ብወገኖም ንማእሰርቲ ኢትዮጵያውያንን ሞት ሓደ ኢትዮጵያዊን አረጋጊፆም ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ሓበሬታ ንምርካብ ንሰርሕ'ለና ኢሎም።

ኣስዒቦም ነቶም ፍቃድ ስራሕ ዘይብሎም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም'ለው።

ሙሉእ ትሕዝተኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ብምኻድ ጠውቁ።
XS
SM
MD
LG