ተቀማጢ ፑንትላንድ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣስመሮም ሃይለስላሰ ኣብ ልዕሊ ናብ ገዝኡ ዝአተወ ዕጡቅ ሶማልያዊ ብጠንቂ ዝፈፀሞ ቅትለት ብቤት ፍርዲ ቦሳሶ ብሞት ንኽቅፃዕ ተበይንዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ክብሉ ስድራ-ቤት ኣቶ ኣስመሮም ይገልፁ።
አቶ ኤፍሬም ዮውሃንስ ኣብ ቦሳሶ አቦ-መንበር ኮሚኒቲ ኢትዮጵያውያን፣ ወይዘሮ ፈሪሓ ዓብዲ-ኣብሽሮ በዓልቲ’ቶም ተአሲሮም ዘሎ አቶ አስመሮም ሃይለስላስ፣ ፍረወይኒ ሃይለስላሰ ሓፍቲ አቶ አስመሮም፣ አቶ አስመላሽ ወልደምሕረት ኣብ ፑንትላንድ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ቆንስል ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ተጓንፎ ዘዝፈልጥዎ ተዛሪቦም’ለው።