ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓው ነቲ ብጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ጨንፈር ሊብያ ብግፍዒ ዝተቀትለ ዳንኤል ሓዱሽ፣ሓዘኑ ይገልፅ


ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ጨንደር ሊብያ (ISL) ኣብ’ዚ ቀረባ ንኣስታት 30 ኢትዮጵያዊያን ብኣዝዩ ኣረመንያዊ ኣገባብ ሓሪዱን ብጥይት ደብዲቡን ከምዝቀተሎም ዝዝከር’ዩ።

ሓደ ካብ’ቶም ግዳያት ነባራይ ከተማ እንትጮ-ትግራይ ዝነበረ ዳንኤል ሓዱሽ’ዩ። ዓብዪ ሓዉ፣ጌታቸው ሓዱሽ ‘ንቤተ-ሰብና ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሕሰም መዘና ዘይብሉን ንክትገልፆ ዘፀግምን’ዩ’ ይብል።

መተዓቢቱ ሃፍቶም ተወልደ ብወገኑ ‘ዳንኤል ሕያዋይን ንቤተ-ሰቡ ንምሕጋዝ ልዑል ድልየት ዝነበሮን ሰብ’ዩ’ ክብል ይገልፆ።

ወላዲ ግዳይ’ቶም ግፍዐኛታት፣ኣብ ኤርትራ’ዮም ዝርከቡ።ካብ ዝፈላለዩ 13 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ።ብጠንቂ ግጭት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን። መርድእ ወዶም ዳንኤል ክሳብ’ዚ ፈነወ’ዚ ኣይሰምዑን ኢሉ’ውን ይኣምን ቦኽሪ ወዶም ጌታቸው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:28 0:00

XS
SM
MD
LG