ኣብ መይንማር ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ድሒሮም ናይ ታይላንድ ካብ ዝተሳገሩ 133 ኢትዮጵያዊያን 32 ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ብሓገዝ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምምላስ እዞም ዜጋታት ካልኦት 43 ሰባት ድማ ሎሚ ሰኑይ ምሸት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው: እቶም ዝተረፉ ኣብ ካምፕታት ታይላንድ ከም ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፃዕርታት ይካየዱ ከም ዘለው እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ መይንማር ናብ ታይላንድ ንምእታው ዕድል ካብ ዝረኸቡ 138 ኢትዮጵያዊያን እቶም ሓሙሽተ ንመሓውራት ዜና ብዝሃብዎ ርእይቶ ብሓይልታት ጸጥታ ታይላንድ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ሓደ ካብ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መንእሰይ ንሱን ኣዕርኽቱን ምምላሶም ሕጉሳት ምዃኖም ብምግላፅ ኣብኡ ዝተረፉን ኣብ ፀገም ዝርከቡን ካልኦት እንተተመሊሶም ሓጎሱ ምሉእ ከም ዝኸውን ብምግላፅ ንምምላስ ትኹረት ክወሃቦ ፀዊዑ ኣሎ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘሳልጥ ሓደ ልኡኽ ከም ዝሰድድ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቅጥዒ