ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪኢቶታት ህዝቢ ኣብ መረፃ ትግራይ


ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ 4 ጳጉሜ ምርጫ ተኻይዱ ኣሎ።ኣብቲ ምርጫ ህወሓት ሓዊሱ ሓሙሽ ፖለቲካዊ ውዳባትን ኣርባዕተ ናይ ውልቂ ተወዳደርትን ተሳቲፎም ኣለው።ብመሰረት ሓበሬታ ኮሚሽን ምርጫ ናይቲ ክልል 2.76 ሚሊዮን ህዝቢ ድምፂ ንምሃብ ተመዝጊቡ እዩ።ንምዃኑ ሰባት ነቲ ምርጫ ከመይ ይሪኡዎ። ጋዜጠኛታት ቪኦኤ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሪኢቶታት ሓቲቶም ልኢኾም ኣለው።

ሻሚል ዝተብሃለ ነባራይ ከተማ ኣዳማ ናይ ትግራይ ምርጫ ብዙሕ ለውጢ ዘምፅእ ኮይኑ ከምዘይሪኦ ይገልፅ።ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሕጋዊ ኣይኮነን ክሳብ ዝበሎ ብደረጃ ሃገር ዘምፅኦ ለውጢ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ይብል። ‘’እቲ ክልል በይኑ ምርጫ ምክያዱ ትርጉሙ ኣይርድኣንን ዝበለ ንሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ለውጢ ዘምፅእ ምርጫ ገይረ ኣይሪኦን’’ ኢሉ።

ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ስለዝበሎ ድሕሪ ዝተወሰነ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣይተርፍን ይብል ብምውሳኽ። ‘’ብምዝርራብ እንተዝፍታሕ ፅቡቕ እዩ ከምዚ እንተቐፂሉ ግን ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ናብ ኵናት ክኣትው ይኽእሉ’ዮም’’ ይብል ሻሚል ኣስዒቡ።

ምርጫ ምክያዱ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ዝገለፀ ዶክተር መገርሳ ዝተብሃለ ካሊእ ነባራይ ኣዳማ ኣብ ትግራይ ምርጫ ምክያዱ ህዝቢ ልዕልነት ከምዘለዎ እዩ ተሰሚዑኒ ምኽኒያቱ ድማ ብናይ ባዕሎም ፍቓድ ንምምራፅ ናይ ባዕሎምመፃኢ ዕድል ብባዕሎም ዝወሰንሉ ስለዝኾነ እዩ ይብል ዶክተር መገርሳ።

‘’ንሳቶም ምርጫ ክንገብር ኢና ኢሎም።ፌደራል ድማ ምርጫ ክተግብሩ የብልኩም ኢሉዎም።ንሳቶም ክኣ ምርጫ ኣካይዶም ኣለው።ኣነ ፅቡቕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።ንኢትዮጵያ ይጎድእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን።ንኢትዮጵያ ዝጎድእ ነገር እውን ኣይኮነን።ካልኦት ከምኡ እንተመሪፆም እውን ፅቡቕ እዩ ንሕና እውን ክንመርፅ ኣለና ኢለ እየ ዝኣምን’’ ኢሉ።

እቲ ውጥረት እውን ብምዝርራብ ክፍታሕ ኣለዎ ይብል ንሱ።ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብዙሕ ግጭትን ቅልውላውን፣ብሓይልታት ፀጥታ ዝቕተሉ ሰባት፣ምዕፃው መንግዳታት እውን ስለዘሎ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምርጫ ተኻይዱ እቲ ህዝቢ እንተዝዓርፍን ብሰላም ስርሑ እንተዝፅቕፅልን ይሓይሽ ይብል ዶክተር መገርሳ።

ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ካሊእ ወሃቢ ሪኢቶ ድማ መንግስቲ ብዘውፅኦ ናይ ምርጫ እዋን ተጋሩ ሓቂ ዝመስል ነገር እንተሃለዎም እውን እዚ ምርጫ ግን ንህዝቢ ትግራይ ይጠቅም እዩ ዝብል እምነት የብለይን ምኽኒያቱ ድማ ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ መንግስቲ ክህሊ ስለዘይብሉ እዩ ኢሉይ።

ኢብራሂም ሳሊሕ ዝተብሃለ ወሃቢ ሪኢቶ ንናይ ትግራይ ምርጫ ኣወንታዊ ሪኢቶ ከምዝለዎ ይገልፅ። ‘’ናይ ትግራይ ምርጫ ደስ እናበለኒ እየ ሪኢዮ’’ ዝበለ ኢብራሂም ‘’ኩሉ ህዝቢ ናይ ካልኦት ክልላት ህዝቢ እውን ከምዚ ናይ ባዕሉ ዕድል ተዝውስን ኣዚዩ ደስ ምበለኒ ኢሉ። ’’ክልላት ተሰማሚዐን እየን ነቲ ፌደራል መንግስቲ መሰል ዝሃብኦን ዝመስረትኦን።ስለዚ ንፌደራል መንግስቲ ክቆፃፀርኦ ዝግበአን ክልላት እየን ብናይተይ እምነት’’ ይብል ኢብራሂም።

እቲ ምርጫ ንኢዮጵያ ሓደጋ ኣይኮነን መንግስቲ ፌደራል ብፈኸራን ምፍርራሕን ከይኮነስ ነዚ ተቐቢሉ ኮፍ ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ኢሉ ኢብራሂም ሳሊሕ።

ነባራይ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ታምራት ኣይጃ ናይ ትግራይ ምርጫ ኣብዚ ሕዚ እዋን እንተዘይካይድ ፅቡቕ ነይሩ ይብል።

ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ድሬዳዋ፣ ጂጂጋን ካልኦት ከተማታትን ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት ሂቦም ኣለው።

ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝተቓወሞን ናይኢትዮጵያቤትምኽሪፌደረሽን ሕጋዊ ኣይኮነን ኣብ ዝበሎን መረፃ ግራይ ልዕሊ 2.76 ሚልዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው ::

ኣብ 38 ክልላት መረፃ 2,672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ::

ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ኣርባዕተ ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኣብቲ መረፃ ተሳቲፎም::

ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ካብቲ ምርጫ ንርእሶም ኣገሊሎም እዮም::ክልተ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ እውን ንባዕሎም ኣግሊሎም።

እቲ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይንምቁፅፃር እዩ ተኻይዱ:: 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ 38 ድማ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባትዝረኸብዎ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ::

XS
SM
MD
LG