ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናይ ርድኡና አውያቶም የስምዑ'ለው


አብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብቲ ንዳርጋ 42 መዓልታት ክድቅስሉ ዝፀንሑ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ኣፍ ደገ ቤት-ፅሕፈት ትካል ስደተኛታት ብሓይሊ ብጠያይትን ብዘንብዕ ጋዝን ንኽንርሕቅ ተጌርና ክብሉ አማሪሮም።

በቲ ዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሓያለ ቆሲሎም ዝሞተ'ውን አሎ ዝበሉ'ቶም ስደተኛታት ነዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሌና ንኽውሰድ ንሓይልታት ፀጥታ ዝፀውዑ ኣብ ሰንዓ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት'ዮም ክብሉ ኸሲሶም።

እዚ ኸአ ናብቲ ቤት-ፅሕፈት ዝመፁ ፀዓዱ ስለ ዝነበሩ ኣብኡ ንኸይርእዩና ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም። እቲ ትካል ስደተኛታት አብኡ ንዝነበረ ቤት-ፅሕፈቱ'ውን ዓፅየ ኢልና ክብሉ'ውን ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ሕጊ ኣበይ'ሎ? እምበር'ዶ ኣብ ዓለም ሰማዒ አሎ'ዩ? ክብሉ'ውን አውያቶም የቃልሑ'ለው።

XS
SM
MD
LG