ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቶ-ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ግብጺ ተዓዊቱ`ዩ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ፕረዚደንት ሖስኒ ሙባረክ ምዑሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ስልጣኖም እንተረኪቦም`ውን ጽቡቕ ውጽኢት`ዩ ይብሉ

ኣቶ ኢብራሂም ዓብደኑርን ወ/ሮ ሕድያት ራያን ነበርቲ ዩ.ኤስ እዮም። ጠንቂ`ት ናዕቢ ግብጺ፡ ድምር ፖሊቲካዊ ጸቕጥን ኤኮኖሚያዊ በደልን ምዃኑ ይሰማምዑ። ኣብ`ተን ቀንዲ ከተማታት ጥራሕ ዘተኮረ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ግብጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብተማትን ዘሎ ክፍተት ናብራ እናግፍሖ ኸምዝኸደን፡ ሸቕሊ ኣልቦነትን ክብሪ ናብራን ንመንእሰያት ተስፋ እናቑረጾም ኸም ዝኸደን`ውን ይገልጹ።

ካልኦት ንድልየት ህዝበን ዘይሰምዓ ሃገራት፡ ከምዚ ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ዕድል ከጋጥመን ይኽእል`ዩ ዝብል ኣቶ ኢብራሂም፡ ብሽም ምርጫ እናሸቀጥካ ድምጺ ህዝቢ ምስራቅ ግን ህዝቢ ምስማዕ ክብሃል ኣይክኣልን`ዩ ይብል።

ወ/ሮ ሕድያት ብወገና፡ ምርጫ ክግበር ኣለዎ፡ ብዘይ ምርጫ ድልየት ህዝቢ ክፍለጥ ኣይክእልን`ዩ ትብል። ኣተሓሒዛ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝተራእየ ናዕቢ፡ ኣብ እትዮጵያ ክፍጠር ተስፋ ዝገብሩ ገለ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ዘይክውንነታዊ ሕልሚ እንተወጹ ይሓይሽ ትብል።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ምይይጥ ነዚ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

.

XS
SM
MD
LG