ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝሃፍታ ተክኤ ኣብነታዊት ንእስቲ


ቀረብ ማይ ብዝሃፍታ ተክኤ
ቀረብ ማይ ብዝሃፍታ ተክኤ
ኣብ ትግራይ ሕብረተሰባዊ ፀቕጢ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሰጊራ ብትምህርታ ፀብለልታ ተመዝግብ ዘላ ዝሃፍታ ንሕብረተሰብ ኣብ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ትሳተፍ’ላ፡፡ ሃጥ እንተበለ ሽማ ክትፅሕፍን ደብዳበ ክተንብብን ተባሂላ ፊደል ክትቆፅር ዝተፈቐደላ ጎርዞ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዝላዓለ ውፅኢት ዘመዝገበት ኣብነታዊት ተምሃሪት ኮይና’ላ፡፡

ዝሃፍታ ኣብ 8ይ ክፍሊ ፈተና 99.94 ውፅኢት ኣመዝጊባ ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣትያ፡፡ ካብ ታሽዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ሓንቲ ካብቶም ብሉፃት ተምሃሮ ብምዃን ዘሊቓ፡፡ ብፍላይ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ኣብ ዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና ምሉእ 4 ነጥቢ ኣመዝጊባ፡፡
ኣብ 11 ክፍሊ ካብቶም ንምውርራስ ልምዲ ባህልን ምዕባለን ናብ ኣመሪካ ዝኸዱ ሕሩያት 9 ተምሃሮ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ከንታኪ ኣመሪካ ሓደ ዓመት ፀኒሓ፡፡ ሻቡ ብዘርአየቶ ናፃ ሕብረተሰባዊ ግልጋሎት ንሳ ብዝመረፀቶ ገንዘብ ተዋፂኡ ብሽማ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ዓዲሑፃ ክልተ ጎዳጕዲ ማይ ተዃዒቱ ህዝቢ ፅሩይ ዝስተ ማይ ረኺቡ፡፡

ብድሕሪኡ ናብ ዓዳ ተመሊሳ ኣብቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ፀብለልታ ኣመዝጊባ፡፡በዚ ድማ ካብ ትግራይ ካብ ክልቲኡ ፆታ ቀዳመይቲ ካብ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ደቀንስትዮ ቀዳመይቲ ብምዃን ታዓዊታ፡፡ ዝሃፍታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትካል ቴክኖሎጂ መቐለ MIT ራብዓይ ዓመት ተምሃሪት ኮምፒተር ሳይንስ ኢንጅነሪንግ እያ፡፡ ዛጊድ ምሉእ ኣርባዕተ ነጥቢ ብምሓዝ ትመርሕ’ላ፡፡

ጓል 24 ዓመት ዝሃፍታ ንቐፃሊ ብዙሕ ክትበፅሖን ክትፍፅሞን ትሓስቦ ሕልምታታ ክተግህድ ኣብ ህርኩት ፃዕሪ ትርከብ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:24 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG