ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ዘቕርብ ሃገር-በቀል ትካል (EYES)


SONY DSC
SONY DSC

ኣብ ዕድመ ንእስነት ዝርከብ ብስራት መስፍን ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጣይሹን ይመርሕን‘ሎ።

እቲ ትካል ብምህፃረ ቃል እንግሊዘኛ EYES (Ethiopian Youth Educational Support) ማለት ድማ ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ይባሃል። እዚ ትካል’ዚ መዓዝን ካብ ምንታይ ተበጊሱን ክጣየሽ ከምዝኽኣለ ብስራት መስፍን ይነግረና። እዚ ድማ ትምህርቲ ቁልፊ ልምዓትን ምዕባለን እዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ መበገሲ ተላዒሉ ነዚ ንምትግባር ከምዝተጣየሸ ግልፂ ኮይኑ’ሎ።

EYES ማለት’ውን ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ምስ ህዝብን መንግሰትን ትግራይ በምትሕግጋዝ ዛጊድ 10 ኣብያተ ትምምህርቲቲ ሃኒፁ’ሎ። ኣብያተ ትምህርቲ ምህናፅ ጥራሕ ‘ውን ተይኮነስ ምሉእ ውሽጣዊ ናውቲ ኣማሊኡ እዩ ናብ ግልጋሎት ዘብቅዕ።

ኣብተን ዛጊድ ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ተማሂሮምን ኣብ ከይዲ ምምሃር ይርከቡን።እቲ ትካል ብዋናነት ኣብ ገጠራት ትግራይ ጠመተ ሂቡ ዝሰርሕ እንትኾነ ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ሕንጣሎወጀራትን እንደርታን ኣተኵሩ ይሰርሕ ምህላዉ ብስራት ይገልፅ።

ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ደቡብ ትግራይ ገፅ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቕካ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጅራት ናብ እትርከብ ከተማ ሕዋነ ብምኻድ እቲ ትካል ኣብ ዝሃነፆ ቤት ትምህርቲ ዝባን-ዓልበ ብኣካል ተረኺበ ዝወሃብ ዘሎ ግልጋሎት ትምህርቲ ክርእይ ክኢለ እየ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ካብ ፀሓይ ዝርከብ ፍልፍል ሓይሊ ብምጥቃም ተምሃሮ ስልጠና ኮምፒውተር ይወሃብ ምህላዉ እውን ተገንዚበ።

ትካል ትምህርታዊ ሓገዘ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ነቲ ዘተግብሮ ዘሎ ልምዓታዊ ዕማም መፈፀሚ ዝውዕል ሓገዝ ካብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ Sir Bob Geldof ከም እውን ፈታዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾኑ Dr David Stables ከምዝረክብ ብስራት መስፍን ይዛረብ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:10 0:00

XS
SM
MD
LG