ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም


ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም - ፋይል
ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም - ፋይል

ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ይፍፀም ኣሎ ብዝበሉዎ ናይ ማእሰርቲ፣ ምንክልባትን ካልኦትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ምኽኒያት ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስኑ ዝበሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን 126 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዕቑባ ከምዝሓተቱ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ቅድሚ ሎሚ ተደጋጋሚ መብርሂ ስለዝተውሃቦ መልሲ ከምዘይህቡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮ\ል ጌትነት አዳነ ገሊፆም።ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ማእኸል ምኽባር ሰላም፣ደቡብ ሱዳንን ጀኔቭን ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት UNHCR መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኮለኔል ገብረመድህን መስፍን ናይ መበል 13 ዙሪያ ልኡኽ ሬጅምነት ኦፕረሽን ምኽትል ኣዛዚ ብምዃን ናብ ደቡብ ሱዳን ምኽባር ሰላም 15 ጥሪ 2012 ዓ\ም ከምዝተዋፈሩ ይገልፁ።ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተዋፈርና ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኩሉ ተፅዕኖታት ክኢልና ናይ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽን ደልየት ደቡብ ሱዳንን ኣማሊእና ፅቡቕ ሰሪሕና ይብሉ።

ብዙሕ ተፃዊርና ልኡኽና ፈፂምና ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘጋጠመ ቅልውላውን ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ምጥፋእ ዘርእን ጁንታ፣ትህነግ እናበሉ ይፅውዑና ነይሮም ብዙሕ ፀገም ኣሕሊፍና’’ ኢሎም ኮለኔል ገብረመድህን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ምስ ህወሓት ሓቢርኩም ሰሪሕኹም ብዝብል ክስ ኣብ ልዕሊ 10 ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 18 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱዎም።ካልኦት 150 ኣባላት ሰራዊት እውን ጉዳዮም ተፃሪዩ ምስተወድአ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ምፅብፃብና ይዝከር።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ን19 ኣዋርሕ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ከምዘገልገሉ ዝገለፁ ኮለኔል ገብረመድህን ተልእኹኦም ወዲኦም ናብ ኢትዮጵያ ንዘይምምላስ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም።

ላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩን ልኡኽቶም ወዲኦም ዝተመለሱ ኣባላት ሰራዊት ሓዊሱ ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ዝበሉዎ ግፍዒ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ከምዘይደለዩ ሓቢሮም።

ካብ 154 ተወልደቲ ትግራይ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም እቶም 126 ዕቑባ ከምዝሓተቱን 25ቲኦም ግን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱን ኮሎኔል ገብረመድህን ገሊፆም።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበኩም ዝለዓለ ተልእኾ ንሃገርኩም ክሒድኩም ንዝብልኹም መልስኹም እንታይ እዩ ዝብል ተሓቲቶም ኮለኔል ገብረመድህን ንሕና ከይኮናስ መንግስቲ እዩ ከዲዑና ይብ

እቶም ሓተቲ ዕቑባ ንዘቕረቡዎም ክስታት ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚ ሎሚ ተደጋጋሚ መብርሂ ከምዝተውሃቦ ብምግላፅ ‘’ንሳቶም ውግእ ዝኸፈቱ ካብ ውሽጥን ወፃእን ስለዝኾነ እቶም ዝምለሱ ከምዘለው ኮይኑ ብኡ ግዳያት ኮይኖም ዝተርፉ ሰባት ክህልው እዮም።ግን ብዛዕባ እዚ ዝርዝር መብርሂ ዝህብን ዝከታተሎም ናይ መከላኸሊ ኣካል ማእኸል ምኽባር ሰላም ስለዘሎ ናቱ ሓላፊ መልሲ ክህብ ንገብር ኢና’’ ኢሎም።

ናብ ኣተሓባባሪ ናይቲ ማእኸል ብርጋዴር ጀነራል መኮነን ተደጋጋሚ ደዊልና መልሲ ኣይረኸብናን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 15 ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ‘’ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ኢኹም’’ እናበሉ ስለዘንከላብቱናን ቅድም ክብል ተልእኹኦም ወዲኦም ዝተመለሱ ኣባላት ሰራዊት ኣበይ ከምዝኣተወ ስለ ዘይንፈልጥ ኣይንምለስን ኢሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ዕግርግር ተፈጢሩ ዕቑባ ምሕታቶም ፀብፂብና ነይርና።

ኣብቲ እውን ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕብኦም መግለፂ ሂቡ ነይሩ። ‘’ኣብ ጁባ ተመዲቦም ካብ ዝነበሩ ፃኒሕቶም ወዲኦም ካሊእ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ምቕያር ካብ መንጎ ዝነበሩ 15 ተግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ጁንታ ተለኧኽቲ ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም’’ ኢሎም ናይ ሓልታት ምክልኻል ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ኣብ ፌስቡክ ገፅ ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝወፀ ዜና።እዞም ናይቲ ጁንታ ‘’ዕሱባት’’ ክብሉ ብምፅዋዕ ፅቡቕ ሽም ሰራዊትን ሃገርን ኣፀሊሞም ክብሉ ኸሲሶምዎ ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::​


XS
SM
MD
LG