ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ገበናዊ ጉዳይ "ቀይ ሽብር" ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበን ክርአ ጀሚሩ


ሆላንዳዊ ኢትዮጵያዊ እሸቱ ኣለሙ ኣብ ገበናዊ ጉዳይ "ቀይ ሽብር" ብዝነበሮ ተራ ተኸሲሱ ኣብ ሄግ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበን ሎሚ ጥቅምቲ 30,2017 ዓ.ም ቀሪቡ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ኣብ 70'ታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራእየ ቀይ ሽብር ሓያሎ ሰባት ግዳያት ማእሰርቲ መግረፍትን ቅትለትን ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣቶ እሸቱ እለሙ ብዓቃብ ሕጊ ኣብቲ እዋን'ቲ ውዒልዎ ንዝተባህለ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ንሱ ብተወሳኺ ከሳሲ ብግጉይ መንነት ክሲ ከምዘቕረበሉ ንመጋባእያ ቃል ምሃቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ: ገበናዊ ጉዳይ "ቀይ ሽብር" ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበን ክርአ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:20 0:00

ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ጎጃም ቀይ ሽብር ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣቶ እሸቱ ኣለሙ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ኣረሜናዊ ተግባር ምንባሩ'ዩ ዝቐረበሉ ክሲ የረድእ።

እቲ ክሲ ነቲ ኣብ 70'ታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኣታተወ ሰውራዊ ለውጢ ንዝተቓወሙ ኢትዮጵያውያን ብምእሳር ምቕጥቃጥን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምርሻንን ምስታፉ ይሕብር። ብመሰረት ኣብ ልዕሊ ኣቶ እሸቱ ኣለሙ ዝቐረቡ ክስታት 312 ግዳያት ተለልዮም ኣለው።

ካብኣቶም "ኣብ 1978 ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን መንእሰያት ክርሸኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጋህሲ ክድርበ ተገይሩ" ዝብል ከምዝርከቦ ዓቃብ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ኣቶ እሸቱ ኣለሙ ኣርባዕተ ክስታት ግህሰት ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው: እቲ ራብዓይ ክሲ "ንኣስታት 240 ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ዝመልኦ ቤት ማእሰርቲ የእትዩ ኣሳቕይዎም" ዝብል ከምዝርከቦ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሆላንዳውያን ኣኽበርቲ ሕጊ ሃገሮም ናይ ኲናት ገበን ንዝፈጸሙ ጽላል ክትህብ ከምዘይብላ ምትሕስሳቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG