ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መመሓየሺ ስኬል ደመወዝ እምበር ወሰኽ ኣይኮአን ይብል ምንስቴር ትምህርት ኢትዮጵያ


ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እናቐረቡ ካብዘለው ፀብፃባት እውን ክእረሙ ዘለዎም ነጥብታት ኣለው

መንግስቲ ንመምህራን ዝገበሮ ናይ ደመወዝ ስኬል መመሓየሺ እምበር ወሰኽ መህያ ኣይኮነን ክብል ምንስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እናቐረቡ ካብዘለው ፀብፃባት እውን ክእረሙ ዘለዎም ነጥብታት ኣለው ክብሉ ሓደ ሓላፊ እቲ ምንስቴር ገሊፆም ኣለው።

ዳይረክተር ኮምኒኬሽን ምንስቴር ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቶ ጴጥሮስ ወልደጊዮርጊስ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ክእረም ዘለዎ ኣብሃህላ ኣሎ ዝበልዎ ሕዚ ዝተገበረ ወሰኽ መሃያ ከይኮነስ ናይ ደመወዝ ስኬል መመሓየሺ እዩ ምስበሉ ደመወዝ ዝምልከት ናብ 39 ሚእታዊ ዝኸውን ወሰኽ ዓሚ ተገይሩ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ሎሚ ስርዓት ስኬል መመሓየሺ መሃያ ንምትግባር ትምህርቲ ምንስቴርን ማሕበር ምምህራንን ምስ ስቪል ሰርቪስ ብምዃን ዘካየድዎ መፅናዕትን ዝተረኸበ ውፅኢትን ንምትግባር ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ብምስዓብ።

መንግስቲ ንሙያ መምህርነት ዓብዪ ክብሪ ሂቡ ዝሓዞ ጉዳይ ስለዝኾነ ምምህራን ካብ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዝሐሸ ከምዝተትሓዙ እውን ኣቶ ጲጥሮስ ይገልፁ።

ሕዚ ዝተወሰደ ናይ ስኬል መመሓየሺ ከም ወሰኽ መሃያ ገይሮም ስለዝተረድእዎ መምህራን ቅሬታ ክስምዖም ከምዝኽእል ዝተዛረቡ ግልፂ ዘይኮኑ ነገራት እንተሃሊዮም እውን ነዚኦም ንምርዳእ ከምቶም ተጀሚሮም ዘለው ምይይጣት ተቐራሪብካ ምዝርራብን መፍትሒታት ምሃብን ከምዝክኣል ኣቶ ጴጥሮስ ወልደጊዮርጊስ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG