ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ከካይዱ ዝፀንሑ መምሃራን ኢትዮጵያ ናብ ስርሖም ተመሊሶም


ዝተገበረ ወሰኽ ደመወዝ ኣዝዩ ንእሽተይ እናሃለወ ብቴሌቪዥን መግለፂ ዝሃቡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣዝዮም ኣጋኒኖም ኣቕሪቦምዎ ክብሉ ነይሮም እቶም መምህራን ነቲ ኣድማ ዝጀመርዎ።

መንግስቲ ኣብ ቀረባ ንመምሃራን ዝገበሮ ወሰኽ ብርኪ መሃያ እኹል ኣይኮነን ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ናይ ክልል ከተማታትን ዝተኻየደ ናይ መምህራን ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ኣብቂዑ ካብ ዝሓለፈ ሰኒ ጀሚሮም ናብ ናይ ምስትምሃር ስርሖም ተመሊሶም ኣለው።ሕቶና ከይተመለሰ ኣብ ልዕሌና ይፍፀም ኣሎ ብዝበልዎ ፅዕንቶ ስራሕ ንኽንጅምር ተገዲድና፡እንተኾነ ሕቶታትና ብውልቅን ብማሕበርን ክነቕርብ ኢና ኢሎም ገለ መምህራን።

ዝተገበረ ወሰኽ ደመወዝ ኣዝዩ ንእሽተይ እናሃለወ ብቴሌቪዥን መግለፂ ዝሃቡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣዝዮም ኣጋኒኖም ኣቕሪቦምዎ ክብሉ ነይሮም እቶም መምህራን ነቲ ኣድማ ዝጀመርዎ።

በዚ ምኽንያት መምህራን ቀዳማይ፡ካልኣይን ናይ ቅድመ ምድላውን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 13 መጋቢት 2004 ዓ/ም ጀሚሮም ዝተወሰነ ናይ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም ነይሮም።

ናይ መብዛሕቲኦም ኣብያተ ትምህርቲ ኣድማ ንሒደት ማዕልታት ዝፀንሐ ነይሩ።ናይ ኮኮቤ ጽባህ ካልኣይን ናይ ቅድመ ምድላውን ኣብያተ ትምህርትን ግን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝኣክል ትምህርቲ ኣይነበረን።ትምህርቲ ብዝግባእ ዝጀመረ ካብ ዝሓለፈ ሰኒ ጀሚሩ ምዃኑ ገለ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ዝምህሩ ሓደ መምህር ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ መምህራን ናብ ስርሖም ዝተመለሱ ብከምዚኦም ዝብሉ ፅዕንቶታት ምኽንያት እዩ ኢሎም።

ብኻሊእ ዜና ድማ ኣብ ገለ ገለ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ደምቢያ ወረዳ ኣብዝርከቡ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ንማዕልታት ዝፀንሐ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ተኻይዱ ነይሩ።ሽዱሽተ መምህራን’ውን ካብ ስርሖም ከምዝተኣገዱ ተፈሊጡ’ሎ።ዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG