ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራት ኢትዮጵያ መንግስቲ ሶማል አንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ንምሕጋዙ ሶማል ምእታዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ብከቢድ ዝተዓጥቑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ መንግስቲ ሶማል አንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ንምሕጋዙ ናብ ሶማል ከምዝአተው ተገሊጹ።

ነበርቲ ናይ ዶብ ከተማ ዶሎው ዞባ ጌዶ ከምዝበልዎ ብውሑዱ 30 ወታሃደራት ኢትዮጵያ ዝጸዓና መኻይን ትማሊ ለይቲ ናብ ሶማል ኣትየን ኣለዋ።

ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ከምዝበልዎ 1,000 ዝኾኑ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ኣትዮም ኣለው።

ኢትዮጵያ አካል ዓቃቢ ሰላም አሚሶም ኮይና ከም ኣካል እዚ ብኣሽሓት ዝቕUጸሩ ወታሃደራት ኣብ ሶማል ኣለውዋ።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ እውን ንምእታው ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG