ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ንሰራዊት ኢትዮዽያ ገዲፉዋ ዝወፀ ከተማ ሁዱር ተቆፃፂሩዋ


Ethiopian Troops
Ethiopian Troops
ሰራዊት ኢትዮዽያ ሃንደበት ድሕሪ ካብ ማእከላይ ሶማልያ ምስሓቦም፣ኣል-ሸባብ ንሓንቲ ከተማ ከምዝተቆፃፀረ ተገሊፁ።

መሰኻኽር፣ኢትዮዽያ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ፣ኣል-ሸባብ ንርእሰ-ከተማ ዞባ በኩል ሁዱር ተቆፃፂሮምዋ ይብሉ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ‘ቲ ዞባ ኮሎኔል ሓሰን ይሳቅ ኦማር፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ከምዝርከቡ ንቪኦኤ ገሊፁ‘ሎ።

”ሓቂ‘ዩ ካብ በኩል ስሒቦም‘ለው።እንተኾነ ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ በይ፣በኩልን ሒራንን ኣሎ‘ዩ።ካብ‘ቲ ዝነበሩሉ ተስዓ ኪ/ሜ ርሒቆም ኣብ ኣልባርደ ዝባሃል ስፍራ ኣለው” ይብል እቲ ኮሎኔል።

ሰበ-ስልጣን ሶማልያን ኢትዮዽያን ምኽንያት እቲ ምስሓብ ናይ ሰራዊት ካብ ሕዱር ኣይገለፁን ዘለው።ኮሎኔል ኦማር ብወገኑ፣ሰራዊት ኢትዮዽያ መሉኦም ካብ ሶማልያ ንምስሓብ ይቀራረቡ ከምዘየለው‘የ ዝርዳኣኒ ይብል።

ስሙር ግንባር ሶማልያን ሕብረት ኣፍሪቃን ንኣል-ሸባብ ኣብ ማእከላይን ደቡባውያን ሶማልያ ካብ ሒዝዎ ዝነበረ ጠንካራ ዕርድታቱ፣ደፊእካ ኣብ ምውፃእ ሓይሊ ኢትዮዽያ ከምዝሓገዘ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG