ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራማሪት ጓለንስትየቲ ምብራቕ ኣፍሪካ ዶ/ር ፈትየን


Dr. Fetyen Abay
Dr. Fetyen Abay
Dr.Fetien Abay
Dr.Fetien Abay

ዶ/ር ፈትየን ኣባይ ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘካይዶ ዓመታዊ ሽልማት ብሉፃት ሊቃውንቲ ኣብ ናይ 2014 ዘበነ ውድድር ተዓዊተን።

ዶ/ር ፈትየን ኣብቲ ዓወት ዘበፀሐን ኣብ ትግራይ ኣብ ‘ቶም ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ዘርኢ ስገም ኣብ ዘካየደኦ ምርምር ሰለስተ ምሩፃት ዓሌት ስገም ስለዝረኸባን በዚ ድማ ሓረስቶት ክጥቀሙ ስለዘኽአላን እዩ። ዶ/ር ፈትየን ምስ ሓረስቶት ትግራይ ብምዃን ኣብ ዘካየደኦ ሳይንሳዊ ምርምር ፈላሚት፣ፈቲናን ሕርይትን ዝተሰየማ ምሩፃት ዓሌት ዘርኢ ስገም ተረኺቡ’ሎ።

በዚ ዕዉት ምርምር እዚ ሓረስቶት ትግራይ ካብ ሄክታር 20 ኩንታል ስገም ዝረኽቡ ዝነበሩ ሎሚ ኣብቲ ምሒር ድርቂ ዝሃስዮ ከባቢታት ትግራይ 40 ኩንታል ይረኽቡ ኣለዉ፤ ኣብቲ ፅቡቕ ክራማት ዝረክብ ከባቢታት ድማ 60 ኩንታል ክረኽቡ ክኢሎም እዮም፤ እዚ ድማ ዓብዪ ለውጢ እዩ ኢለን ዶ/ር ፈትየን።

ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ብ2009 ዓ.ፈ ዝጀመሮ እንትኾን ዶ/ር ፈትየን ኣባይ ነቲ ሽልማት ዝተዓወታ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት በዓልቲ ሞያ ሕርሻ እየን።

ዶ/ር ፈትየን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ዘምሀራን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብሞያአን ዝሳተፋን ኣብ ከይዲ ስረሐን ልዑል ምስግናን ብርክት ዝበለ ሽልማትን ዝረኸባ ተመራማሪት እየን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:41 0:00

XS
SM
MD
LG