ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛጊድ 50 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ከምዝተመለሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ሕዚ 50 ሽሕ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝዛዘም እውን ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝነበረ ቁፅሪ በረራ ካብ ሽዱሽተ ናብ 12 ምስ ወሰኸ ቁፅሪ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኢትዮጵያዊያን ይዓቢ’ሎ።

ክሳብ ሎማዕንቲ ንጉሆ 50 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ኣትዮም ኣለው ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና ኣስዒቦም ‘’ሕዚ’ውን ብዝተጠናኸረ ቀፂሉ’ሎ።ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ክነውፅኦም ኢና ኢልና ተስፋ ንገብር’’ ኢሎም።

ቁፅሪ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ብንፁር ምፍላጥ ከምዘይክኣል ምስገለፁ ናብ 80 ሽሕ ክግመቱ ከምዝኽእሉ ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ዜጋታት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ትኹረት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግላፁ ይዝከር።ክልላት እውን በጀት መዲበን ዝሰርሓሉን ዝንቀሳቐሳሉን ክብል እዩ ዝገለፆ ከም ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ካብ ስዑዲ ዓረብ እናተመለሱ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዝበፅሖም ግፍዒ ዘስካሕክሕ ሕዚ’ውን ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታት እዚ እዩ ዘይብሃል ግፍዒ ይፍፀሞም ኣሎ ኢሎም።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ቃሎም ዝሃቡ ተመልስቲ ኣብ መንገዲ ብደለልቲ ዝፍፀሞም፣ኣብ የመን ምስኣተው ከምኡ’ውን ኣብ ስዑዲ ምስ በፅሑ ዝበፅሖምን ክፍፀም ዝርኣይዎን ሕሱም መከራ መዘና የብሉን ኢሎም።
XS
SM
MD
LG