ንዘበናት ርእስና ኸነድንን ንዝገበረና ድኽነት ቁልቁል ኣፉ ንምድፋእ ብምጅማርና ፈለግ ኣባይ ኣብ ረብሓ ህዝብና ኸነውዕሎ በቂዕና'ለና ክብል ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ አፍሊጡ።
እቲ ኮሚቴ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለየ ርእሰ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠቂሶም።
ብአቦ-መንበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተመርሐ ኣኼባ ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ'ቲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ መንጎ ዝተዘራረበሎም ኣርእስታት ሓደ እዋናዊ ህዳሴ ግድብ ኣባይ'ዩ።
ኣብ ዙርያ'ቲ ግድብ ሃገራዊ ምርድዳእን ተበግሶን ከምዝተፈጠረ'ውን ጠቂሱ።