ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲን ካልእ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተኻየደ ራብዓይ ዙር ምምላስ ዜጋታት ኣካል'ቲ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ዝገለጹ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ኣብ ካልእ ሃገራት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት እውን በዚ መስርሕ ምምላሶም ገሊጾም። በዚ መሰረት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ማይነማር ዝነበሩ 40 ኢትዮጵያዊያንን እውን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብ በበይኑ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጥሞም ክግለጽ ዝጸንሓ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ምምላሱ ገሊጹ’ሎ።
ቅጥዒ