ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ናይ ጅምላ ማእሰርትን ፍተሻ አባይትን ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም


ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን
ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአወጀ ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ስዒቡ ነበርቲ ብጅምላ ይእሰሩን አባይቶም ይፍተሽ ኣሎ ብተወሳኺ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ዝኸታተልሉ ሳተላይት ንከውርዱ ይግደዱ ኣለው ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ነቲ ኣዋጅ ዘተግብር መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት’ታ ሃገር 2,700 ሰባት ምእሳሮም ኮማንድ ፖስት ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ብዝለአኾ መግለጺ አፍሊጡ’ሎ።

ሰባት ብጅምላ ይእሰሩ ኣለው፡ ማሕረምቲ፡ ሃንደበት አባይቲ ምፍታሽ ኣብ መንገዲ ውልቀሰባት ምፍታሽ፡ቴሌፎናት ምምንጣል ኣሎ ብሰንኪ እዚ ድማ ምንቅስቃስ ንግዲ ከነኻይድ ኣይኸአልናን ዝበሉ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ከም ኢሳትን ኦኤምኤን ዝዓመስሉን ንከይንኸታተል ሳተላይት ዲሽ ከነውርድ ንግደድ አለና ኢሎም።

ብዛዕባ’ዚ ህልው ኩነታት’ታ ሃገር ምላሽ መንግስቲ ንምርኻብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG