ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዓይኒ ጋዜጠኛ ቪኦኤ ካብ ሱዳን


ኣብ መንጎ ሓይሊ ክልል ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኵናት ካብ ዝልዓል ልዕሊ 50,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።እቶም ስደተኛታት ናብ ዝርከብሉ መዕቐቢ ማእኸላት ሱዳን ብኣካል ብምኻድ ዝተዓዘበቶ ኣካፊላትልና ኣላ።

ኣብ ሱዳን ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ይርከቡ።ካብቶም መፀለሊ ስደተኛታት ኣብ ሰለስቲኦም ከምዝበፅሐት ዝገለፀት ንሳ ኩነታት ናይቶም መዕቖቢ ስድተኛታትሕማቕ እዩ ትብል።ስደተኛታት ብበዝሒ ናብ ሱዳን ይኣትው ኣብዘለውሉ ዓቕሚ ትካላት ሬድኤት ምስቲ ኩነታት ክመጣጠን ስለዘይኽእል ነጋራት ኣፀጋሚ ክኸውን ምኽኒያት እዩ እውን ትብል።

ኣብ ሓምዳይት ማእኸል ስደተኛታት ናእሽቱ መፀለሊ ንምስራሕ ዝኸውን ብጣሽ ፕላሲቲክ እውን ምርካብ ከምዘይክኣሉ ትገልፅ።ናይ ባዕለን ክዳውንቲ ተጠቒመን መፀለሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝረከበትን ሬድኤት ትካላት ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንድሕሪት ተሪፎም ከምዘለውን ሓቢራ።

ሱዳናዊያን ተወሳኺ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ይደልዩ ከምዝደልዩ ዝገለፀን ንሳ ናብ ሱዳን ዝኣትው ስደተኛታት ምስጋእ ወይም ምፅላእ ከምዘየለ ብምሕባር ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ንእሽተይ ፀጋ ከይስእኑ ስግኣት ከምዘለዎ ካብ ዘዘራረበቶም ሱዳናዊያን ምዕዛባ ትዛረብ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዓይኒ ጋዜጠኛ ቪኦኤ ካብ ሱዳን
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:20 0:00


XS
SM
MD
LG