ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 150 ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ተዋሂቦም ተባሂሉ


ፋይል -ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃርዳህ የመን
ፋይል -ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃርዳህ የመን

ኣስታት 150 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ የመን ብወገን ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ አሕሊፎም ተዋሂቦም ብምባል መሰኻክር ክገልጹ ኸለው ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ግን ብዘይ ፍቓዶም ኣይተመልሱን ኢሉ’ሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ሓደጋታት እንተሎ’ኳ ኣብ ሃገሮም ብዘሎ አጸጋሚ ኩነታት ዝሃደሙ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብታ ብኹናት ዝተሃስየት የመን ሓደገኛ ጉዕዞ ካብ ምፍጻም ኣይተዓገቱን ክብሉ ገሊጾም።

ኣስታት 150 ስደተኛታት ካብ የመን ብመርከብ ተጻዒኖም ጅቡቲ ምስ በጽሑ ብነፋሪት ተጻዒኖም ብዘይ ፍቓዶም ብዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት አቢሎም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ አሕሊፎም ተዋሂቦም ክብል ሓደ ኣብ ጅቡቲ ዝርኸብ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ መንእሰይ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

እንተኾነ ግን እቲ ትካል እቲ ምምላስ ብፍቓዶም ዝተኻየደ ምኳኑን እቲ ትካል ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከምዘይሳተፍ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ እዚ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG