ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ናብ 230 ሽሕ ዝፅግዑ ኢትዮጵያን ናብ የመን ኣትዮም ተባሂሉ


ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ጥራሕ ብባሕሪ ተጓዒዞም ናብ የመን ዝኣተው ቁፅሪ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ከባቢ 230 ሽሕ ከምዝበፅሐ ሓደ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።ህይወቶም’ውም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተገሊፁ።
ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብን ናብ ካልኦት ሃገራ ዓረብን ንምእታው የመን ቀንዲ መተሓላለፊት ሃገር እያ።
ብዙሓት ስራሕን ዕቑባን ዝደልዩ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ የመን ይተርፉ።ኣብ 2011 ኣ/ፈ ናብ የመን ዝኣተው ቁፅሪ ስደተኛታት ኣብ 2010 ኣ/ፈ ካብ ዝኣተው ብዕፅፊ ሓፍ ኢሉ’ሎ።ብፍላይ ቁፅሪ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣዐሪዩ ወሲኹ’ሎ።
ምስ ካልኦት ስደተኛታት እንትነፃፀር ኢትዮጵያዊያን 75 ሚእታዊ እዮም።ኣብ 2011ኣ/ፈ 75 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ናብ የመን ከምዝኣተው መፅናዕታት ኣረጋጊፆም ኣለው።
ኣብዚ ዓመት እዚ ክሳብ እታ ዘለናላ ወርሒ ድሮ 60 ሽሕ ኢትዮጵያዎያን ኣብ የመን ኣትዮም ኣለው ዝበሉ ኣብ ዓለምለኽ ትካል ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ኣቶ ታገል ሰለሙን እዚ ዓብዩ ለውጢ ከምዝኾነን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡን ሓቢሮም።ብምቕፃል ‘’ኣብ ማዕልቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ እናበልዑ፤መሕደሪ የብሎምን፤ኣብ ፈቖዶ ማይዳ፡ኣብ ፅላልን ፈቖዶ መስጊድን እዮም ዝነብሩ ዘለው።ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ዘስካሕክሕን ኣፀጋምን ኩነታት እዮም ዘለው።’’
ምኽንያት ስደት እቶም ዜጋታት ብዙሓት ምዃኖም እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ።እቶም ቀንዲ ግን ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን እዮም።ብዝፍላይ ድማ ብዘይ ሕጊ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝኸዱ መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን ደለይቲ ስራሕ ምዃኖም እዩ።
በዚ ኣገባብ እዚ ናይ ዝስደዱ ዘለው ቁፅሪ ንኽውስኽ ዝገበሩ ዘለው ምኽንያታት እዞም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ቀሊል መንገዲ ኣሎ፡ስራሕ ከምድላይኹ ትረኽቡ ኢኹም ኢሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ምኽኣሎም እዩ ይብሉ ኣቶ ታገል።
ሕጋዊ ሰነድ ከይሓዙ በዚ ኣገባብ ዝወፁ ስደተኛታት ህይወቶም ካብ ምስኣን ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ዘስካሕክሑ በደላት ከምዝፍፀሞም እቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ’ሎ።
XS
SM
MD
LG