ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ 34 ኣንቡላንሳት ንክልላት ኣረኪቡ


Map of Addis Ababa in Ethiopia
Map of Addis Ababa in Ethiopia
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ 24.7 ሚሊዮን ቕርሺ ዘውፅኣ 34 ናይ ኣምቡላንስ መኻይን ንጨንፈራት ኣብያተ ፅሕፈት ክልላት ኣረኪቡ።

ካብ ዝምስረት 79 ዓመት ዘቑፀረ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ካብ ዝህቦም ቀንዲ ኣገልግሎታት ሓደ ኣንቡላንስ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ወ/ሮ ፍረህይወት ወርቁ ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ ሓቢረን።

እቲ ማሕበር ዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ብዘለወን 219 ናይ ኣምቡላስን መኻይን ኣብ ዓመት ንልዕሊ 300 ሽሕ ንዝኾኑ ናይ ሃንደበታዊ፡ወሊድን ናይ ሪፈራልን ካልኦትን ህፁፅ ምላሽ ክህብ ምፅንሑ ወሲኸን ብምግላፅ ሕዚ ዝተወሰኻ ዓቕሚ እቲ ኣገልግሎት ሓፍ ከምዘብሎ እዩ ኢለን።
እተን መኻይን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ብዝሃቦ ሓገዝ ከምዝተገዝኣ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 40 ሚሊዮን ብር ዝበፅሕ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ዓቕሚ እቲ ማሕበር ዘጠናኽር ዓብዪ ህንፃ ምስራሕ ከምዝጀመረ እውን ኣፍሊጠን።
XS
SM
MD
LG