ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ናብ 8 ሚሊዮን ምድያቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ገሊጾም


ብምኽንያት ኤልኒኖ ዝተፈጥረ ድርቂ ቁፅሪ ሓገዝ ዝደልዩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሸሞንተ ሚሊዮን ምብፅሑ ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገሊፆም።መንግስቶም ንዝተፀገሙ ንምሕጋዝ ካብ ዕቑር ገንዘብ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ብር ከምዝውፅአ ሓቢሮም ኣለው።

ናይቶም ተሓገዝቲ ቁፅሪ ቅድሚ ሕጂ ብፕሮግራም ሴፍቲ ኔት ይሕገዙ ንዝነበሩ ዘጠቓለለ እዩ።ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ነዚ ዝሓበሩ ሎሚ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዮም።

"ቀንዲ ትኹረት ዝገበርናሉ ብፍላይ ህፃናት፣ኣዴታት ከምኡ እውን ነፍሰፁር ኣዴታት እዩ"ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብምስዓብ "እቲ ኻልእ ማሕበረሰብ እውን በዚ ምኽንያት ሃብቱ ቀስ እናበለ እናተፀንቀቐ ካብ ምኻድ ስለዘይተርፍ ናይ እኽሊ፣ናይ መድሓኒትን ጥዕናን ሓገዝ ክግበር ኣለዎ ብዝብል ኣቐዲምና ምዳልው ገይርና ኢና’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG