ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጎነጽ መንግስቲ ምቅያር ኣይከአልን ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም


አብ ጎኒ ሻዕብያ ዝተሰለፉ'ውን እንተኾነ ጊዚኦም አየጥፍኡ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ይመለሱ ክብሉ'ውን እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ተዛሪቦም።

እዚ ዘረባ'ቶም ቀዳማይ ሚንስትር ምስቲ ናይ ትማሊ ናይ መንግስቶም ውሳኔ ምሕረት ተጋጢሙ'ሎ ይብል ካብ አዲስ አበባ ዝረከብናዮ ጸብጻብ።

"ንአብነት ኦብነግ ዝበሃል ውድብ አብቂዑ'ዩ። ኦነግ ዝበሃል'ውን አብቂዑ'ዩ። ካልኦት'ውን ከምኡ ሽም ዘውጽኡ ውድባት ዝተባህሉ አብዚ እተው ዝበሃሉ ኣይኮኑን ግን እቲ ንግዲ ስለዘሎ ውሑዳት መራሕቲ ኢና ዝብሉ አብዝን አብትን ውጥም ቅልቅል ዝብልሉ ኩነታት'ሎ። "

ቤንሻንጉል፡ጋንቤላ ዝተወሰኑ ውሑዳት ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ዝኸሸፍሉ ቀንዲ ምክንያት እቲ ህዝቢ ልምዓት፡ሰላም፡ዲሞክራሲ ስለዝደልይን ስለዝራአየን እዚ ክቅጽለሉ ስለዝደልይን'ዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ አብቂዖም'ዮም ተዳኺሞም'ዮም ክብሉ አብዚ መብርሂኦም ዝጠቀስዎም ተቃወምቲ ጉጅለታት ቤንሻንጉል፡ጋንቤላ፡ግንባር ነጻነት ኦጋዴን፡ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ሓዊሱ ሓሙሽተ ተቃወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ሕብረት ህዝብታት ንነጻነትን ዲሞክራሲን ዝብል ጥምረት መስሪትና ክብሉ መግለጺ ምውጽኦም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG