ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሱዳን ብምጉዓዝ ምስ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ተራኺቡ ዘትዩ። ኲናት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ሱዳን ዝበጽሐ ቀዳማይ መራሕ ሃገር ኰይኑ ኣሎ።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ኲናት ንምዕራቕ ምዃኑ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢዩ ተድላ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዛዚ ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ግጭት ኢትዮጵያ ናይቲ ኣሃዱ ደጋፊት ምዃና’ያ ክትርአ ጸኒሓ።
15 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ንልዕሊ 10 ሚልዮን ዜጋታት ኣመዛቢሉ፡ ንብዙሓት ድማ ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ኣብጺሑ’ዩ። ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ንኻርቱም ሓዊሱ ንማእከላይን ምዕራብን ሱዳን ክቆጻጸር እንከሎ፡ ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ድማ ንምብራቓዊን ሰሜናዊን ወገናት ሱዳን ሒዙ፡ ርእሰ-ከተማኡ ድማ ፖርት-ሱዳን ገይሩ ኣሎ።
ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ነቲ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ተመዛበልቲ ኣዕቊቡ ዘሎ ዞባ ገዳርፍ ንምጥቃዕ ኣንፈታት ኣብ ዘርእየሎ ዘሎ እዋን’ዩ ዝኸውን ዘሎ ይብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ።
ቅጥዒ