ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ተቀራሪባ ክትሰርሕ ምኻና ሱዘን ራይስ ኣረጋጊፀን


Susan E. Rice
Susan E. Rice
ንመንግስቲ ኣሜሪካ ወኪለን መደረ ዘስማዓ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሱዘን ራይስ "ካብ ዝድነቁ ባህርያት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ እቲ ዝበለፀን ዝላዓለን ኣእምሮኦም'ዩ።ኩሉ ጊዜ ምምሃር ጠጠው ዘየብሉ‘ዮም ነይሮም።ንርእሶምን ንካልኦትን ብዙሕ ኣምሂሮም‘ዮም።ቀ/ሚ መለስ፣ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎም፣ብርቱዕ ተደራዳሪ፣ዘይርታዕ ተኸራኻሪ ጥራይ ዘይኮኑስ ፍልጠት ንምቅሳም ዝተግሁን ብልሂን‘ውን እዮም ነይሮም” ኢለን።

ንሰን ወሲኸን ”ከምኩሉ ጊዜ ንሰላማዊን ፖለቲካዊን ልዝባት፣ምምዕባል ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ነፃነት ፕረስን ክነተባብዕ ኢና” ኢለን።

መራሕቲ ኡጋንዳ፣ናይጀርያ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፣ሱዳን፣ኡጋንዳ መደረ ኣስሚዖም‘ዮም።መራሕቲ ጂቡቲ፣ኬንያን ሶማልያን ድማ ኣብ‘ቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተሳቲፎም።
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:53 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG