ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝቅፅልሉ ኣብ ቀብሪ ቀ/ሚ ዝተረኽቡ መራሕቲ ኣረጋጊፆም


ኣብ ቀብሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝተሳተፉ መራሕቲን ወከልቲን ሃገራት፣ምስ ኢትዮዽያ ዝፀንሐ ርክብ ከምዝዕቅቡ ኣረጋጊፆም።ኣቶ ሃይለ ማርያም ደሳለኝ፣ተጠባባቂ ቀ/ሚ እናበለ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ ምክትል ቀ/ሚ ብዝብል ምትክኡ ድማ ንብዙሓት ንፁር ኣይኮነን ይብል ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው።

ኣብ‘ቲ ናይ ትማሊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ኣህጉራዊን ዓለም-ለኻዊን ተፈላጥነቶም ዝገነነሉ፣ብመዘነኦም መራሕቲን ተወከልቲን ዝተወደሱሉን‘ዩ።

ስግግር ስልጣን ኣብ ኢትዮዽያ ኣብ ዘይተፈፀመሉ እዋን ትማሊ መደረ ዘስምዑ መራሕቲ ሃገራት፣ምስ‘ቲ ዝቀውም መንግስቲ ተቀራሪቦም ንምስራሕ ቅሩባት ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።

መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ናይጀርያ፣ኡጋንዳ፣ሱዳን፣ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ትካላትን ምስ ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮዽያ ብሓባር ንምስራሕ ቅሩባት ኢና ኢሎም።

ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ብሕልፊ ብመንፅር ቁጠባን ፖሊሲ ወፃኢን ለውጢ ከምዘይህሉን፣ብቀ/ሚ መለስ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቅፅሉ ገሊፆም።ካብ ፅባሕ ጀሚርካ ምርብራብ ከምዘድሊ‘ውን ኣዘኻኺሮም።

”ኩላትና ኣካላት ኢህወዴግን መንግስትን፣ንውሩይ መራሒና ዘለና ፍቅርን ኣኽብሮትን፣ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ውፅኢታዊ መእንታን ክንከውን፣መሪሕ ኮይና ዝላዓለ ምርብራብ ክንገብር ኢና” ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ንኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ተጠባባቂ ቀ/ሚ እናበሉ ዝቀነዩ መንግስታዊ ሚድያታት፣ምክትል ቀ/ሚ ምባል ጀሚሮም‘ለው።ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ‘ውን ም/ቀ/ሚ‘ዮም ክብሉ ከለው፣ኣብ‘ቲ መድረኽ ዝመደሩ መራሕቲ ግና ተጠባባቂ ቀ/ሚ̎ ኢሎም ገሊፆምዎም።

፴፮ ኣባላት ዝሓቆፈ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወደግ ፅባሕ ከምዝእከብ ምንጭታት‘ቲ ግንባር ገሊፆም‘ለው።ማእከላይ ኮሚቴ’ዩ ኣቦ-መንበርን ምክትልን ናይ ምምራፅ ስልጣን ዘለዎ።እንተኾነ እቲ ናይ ፅባሕ ኣኼባ ኣፋፍኖት ክህብ ይኽእል‘ዩ።
XS
SM
MD
LG