ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መንግስቶም ብሓድነት ሶማል ከምዘይጠራጠሩ ሓቢሮም


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማእከላይ ኮሚቴ ብልጽግና ፓርቲ
ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማእከላይ ኮሚቴ ብልጽግና ፓርቲ

ሶማል ሓድነታ ክሕለዉ ዝሰርሐ መንግስቶም ምስ ሶማል ናብ ኲናት ክኣትው ከምዘይደሊ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም።

ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ሰነድ መዘክር ዘስዓቦ ዘይምርድዳእ ብልዝብ ንምፍታሕ ይሰርሑ ምህላዎም'ውን እቶም ቀ/ሚ ሎሚ ዓርቢ ምስ ማእከላዊ ኮሚተ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ፓርቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሓቢሮም።

ቀ/ሚ ድሕሪ ስምምዕ ሰነድ መዘክር ሶማል ኣካለይ ንትብላ ሶማሊላንድ ሉኣላዊነት ብዝምልከት መርገጺ መንግስቶም ኣብዚ ኣኼባ ኣይሓበሩን። ብልጽግና ፓርቲ ብወገኑ እቲ ሰነድ መዘክር ተግባራዊ ክኸውን ይሰርሕ ምህላው ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ'ሎ።

ሎሚ ንማእከላይ ኮሚቴ ብልጽግና ፓርቲ ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ፡ መንግስቱ ኣብ ሓድነት ሶማል ብዘይምእማን ክጥርጠር ከምዘይግባእ'ውን ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ንሶማል ዘለዋ ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን ብደም ደቃ ኣመስኪራ`ያ ዝበለ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ “ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ሶማል መስዋእቲ ከፊሎም`ዮም፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኸፈለት ሃገር የላን” ኢሉ። ንሱ ኣተሓሒዙ፡ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ክትብል ምስ ሶማል ናብ ኲናት ኣይትኣትውን`ያ ኢሉ።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ ቕድሚ ሰለስተ መዓልታት ምስ ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝነበሮም ቃለ-ምልልስ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረኽብ ንምዝርራብ ድልው ምዃኖም ብምግላጽ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ዝኸውን ኢትዮጵያ ንሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ምስ ተኽንብር'ዩ ክብሉ ቕድመ-ኹነት ኣቐሚጦም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሒ ዓብዲ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክዛረብ ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዝግበር ኢትዮጵያ ብኽራይ ክትጥቀም`ምበር እትውንኖ መሬትና ክንህብ ኢልና ኣይፈረምናን ምባሉ ምንጭታት ሶማል ይገልጹ`ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG