ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ክልል ኣምሓራ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት`ቲ ኽልል ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ ወግዓዊ ጌሩ። ትማሊ ምስ ፋይናንሳዊ መራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸበ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ሰራዊቱ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ውግእ ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ምዝርራብ ካብ ዝጅመር ጸኒሑ'ሎ ኢሉ።

እንተዀነ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዕጡቓት ፋኖ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ የሎን። ድምጺ ኣመሪካ ካብ መራሕቲ እቲ ጉጅለ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ዛጊት ኣይሰለጠን።

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር"ክሳብ ሎሚ ኣይገልጽክልኩምን ምበር ምስ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ዝርርብ ካብ ዝጅመር ጸኒሑ'ሎ፡ እንተኾነ እቲ ሕጂ ዘሎ ጸገም ዝተማእከለ ጉጅለ ስለዘየለ`ዩ" ኢሉ እ። ብዛዕባ ኣገባብ እቲ ዝርርብ ግን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን።

ቀ/ሚ ኣብይ ነዚ ዝበለ ኣብቲ ብዛዕባ ፖሊሲ ለውጢ ቁጠባ ዝምልከት ምስ ፋይናንሳዊ ሓለፍቲ ዝገበሮ ኣኼባ `ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን'ውን ንትሕት ዝበለ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዞም ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝተወሰኸ ኣፍሊጡ ኔሩ። 1,500 ብር ማለት 26 ዶላር ንወርሒ ደሞዝ ዘለዎ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብሰለስተ ዕጽፊ ክውሰኽ'ዩ፡ 25,000 Birr ማለት ($431) ዶላር ንወርሒ ትውሃቡ ግን ሕጂ ክንውስኸኩም ኣይንኽእልን ኢና ብትዕግስቲ ተጸበዩና ኢሉዎም ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG